ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቤንጋልኛ እተማህሩ ስለምንታይ እዮም፧

ቤንጋልኛ እተማህሩ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኲንስ፡ ኒው ዮርክ፡ 23 ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ባንግላድሽን ኣብ ገለ ኽፋላት ህንድን ንዚዝረብ ቋንቋ ቤንጋልኛ ኪዛረቡን ኪጽሕፉን ዜኽእሎም ስልጠና ተዋሂብዎም ነይሩ። ንሳቶም፡ ሓድሽ ቋንቋ ቐልጢፍካ ኽትመልኽ ኣብ ዚሕግዝ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ስልጠና እዮም ተሳቲፎም።

እዚ ስልጠና እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን እተኻየደ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት እዩ። ሰልጠንቲ ኣብዚ ስልጠናታት እዚ ዚካፈሉሉ ዕላማ፡ ካልኦት ሰባት ዚዛረቡሉ ቛንቋ ተማሂሮም ንሰባት ብቛንቋኦም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምብጻሕ እዩ።

ማጋሊ እትብሃል ተምሃሪት ቤንጋልኛ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ኣብ ከባቢና ቤንጋልኛ ዚዛረቡ ማሕበረሰብ እናበዝሑ እዮም ዚኸዱ ዘለዉ። ሰባት፡ ‘ብዙሕ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶን ንኻልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን ዚኸውን መልሲ የናድዩ እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኣተስፍይዎ ዘሎ ዜደንቕ ተስፋታት ንሰባት ክነግሮም ከለኹ፡ ዝያዳ ኺፈልጡ እዮም ዚደልዩ። ቋንቋ ግና ኵሉ ግዜ ዕንቅፋት እዩ።”

እቶም ተምሃሮ ነቲ ቛንቋ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ምእንቲ ኺመልክዎ፡ እቶም መምህራን ባህ ዜብል ሜላ ኣመሃህራ ተጠቒሞም እዮም። ሓደ ኻብዚ ሜላ እዚ፡ እቲ ትምህርቲ ንምዝካሩ ቐሊል ምእንቲ ኪኸውን ተባሂሉ ምስ እተፈላለየ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ዚተሓሓዝ ተገይሩ እዩ።

ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ስልጠና፡ እቶም ተምሃሮ ኣብ ማሕበረሰቦም ንዚርከቡ ተዛረብቲ ቤንጋልኛ ብምብጻሕን ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ብምግባርን ሽዑ ንሽዑ ነቲ ሓድሽ ናይ ቋንቋ ኽእለቶም ይጥቀሙሉ እዮም። ማጋሊ፡ “ሰባት፡ ስለምንታይ ቤንጋልኛ እመሃር ከም ዘለኹ ኺፈልጡ ይህንጠዩ እዮም። ግዜ መዲበ እመሃር ምህላወይ ድማ ኣገዳስነት እቲ መልእኽትና ኺርድኡ ሓጊዝዎም እዩ” በለት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቋንቋ ወጻኢ ይምሃሩ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት ዚህቡ መምህራን ምእንቲ ኪዀኑ እውን ይስልጥኑ እዮም። ኣብ ክሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ፡ ካብ ጥሪ 2006 ክሳዕ ጥሪ 2012 ኣብ እተገብረ ብዛዕባ ኣመሃህራ ቛንቋ ስልጠና ዚህብ 38 ሰሚናራት፡ 2,244 ዚዀኑ መምህራን ሰልጢኖም እዮም። ኣብ ትሕቲ ኽሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክሳዕ 1 መስከረም 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብ37 ቋንቋ፡ 1,500 ክፍልታት ስልጠና ሂቦም እዮም።