ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ሰብ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሰናበት ይኽእል ድዩ፧

ሓደ ሰብ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሰናበት ይኽእል ድዩ፧

 እወ። ኪሰናበት ዚኽእለሉ ኽልተ መገዲ ኣሎ።

  •   ብወግዓዊ ሕቶ። ሓደ ሰብ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ገይሩ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ከም ዘይደሊ ኺገልጽ ይኽእል እዩ።

  •   ብተግባር። ሓደ ሰብ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ከም ዘይደሊ ዜርኢ ተግባር ኺገብር ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:9) ንኣብነት፡ ምስ ካልእ ሃይማኖት ኪሓብርን ኣብኡ ኪኸውን ከም ዚደሊ ብተግባሩ ኼርእን ይኽእል እዩ።—1 ዮሃንስ 2:19

ሓደ ሰብ ዘይሰብኽ ወይ ኣብ ኣኼባታትኩም ዘይካፈል እንተ ዀይኑኸ፡ ከም እተሰናበተ ጌርኩም ዲኹም እትርእይዎ፧

 ኣይፋልን። ምስንባት ወይ ርእስኻ ምግላል ብእምነት ካብ ምድካም እተፈልየ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ብሰንኪ ተስፋ ምቝራጽ ንግዜኡ ዚደኽሙ ወይ ኣምልኾኦም ዜቋርጹ፡ እምነቶም ዝራሕርሑ ኣይኰኑን። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ፡ ከነጸናንዖምን ክንድግፎምን ኢና ንጽዕር ደኣ እምበር፡ ኣይንርሕቆምን ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:14፣ ይሁዳ 22) እቲ ዝደኸመ ሰብ ሓገዝ እንተ ደልዩ፡ ሽማግለታት ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪገብሩሉ ይኽእሉ እዮም።—ገላትያ 6:1፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-3

 ይኹን እምበር፡ ሽማግለታት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኪቕጽል ኣየገድድዎን ወይ ጸቕጢ ኣይገብሩሉን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ እዩ ዚገብር። (እያሱ 24:15) እቶም ንኣምላኽ ዜምልኽዎ፡ ካብ ልቦም ፈትዮም ኬምልኽዎ ኸም ዘለዎም ኢና እንኣምን።—መዝሙር 110:3፣ ማቴዎስ 22:37