ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ የገድድዎም ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ የገድድዎም ድዮም፧

 ኣይነገድድን ኢና። ኣብታ ቐንዲ መጽሔትና ዝዀነት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንሰባት ኣገዲድካ ሃይማኖቶም ከም ዚቕይሩ ምግባር ጌጋ እዩ” ኢልና ኢና። a በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት ንሰባት ኣይነገድድን ኢና፦

  •   የሱስ ንሰባት ትምህርትታቱ ኪቕበልዎ ኣየገደዶምን። ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ጥራይ ንመልእኽቱ ምላሽ ከም ዚህቡሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ በቲ ዝበሎ ነገራት ምስ ተዓንቀፉ፡ ኣገዲዱ ኼጽንሖም ኣብ ክንዲ ዚፍትን፡ ኪኸዱ እዩ ሓዲግዎም።—ዮሃንስ 6:60-62, 66-68

  •   የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንኻልኦት ሰባት እምነቶም ኪቕይሩ ኸይደፋፍእዎም ምሂርዎም እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ንሰባት ብዘይ ድሌቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኼገድድዎም ኣብ ክንዲ ዚፍትኑ፡ ጽቡቕ ምላሽ ንዚህቡ ሰማዕቲ ኼናድዩ ተነግሮም።—ማቴዎስ 10:7, 11-14

  •   ኣምላኽ ካብ ልቢ ዚቐርብ ኣምልኾ ጥራይ ስለ ዚቕበል፡ ኣገዲድካ እምነት ምቕያር ትርጕም የብሉን።—ዘዳግም 6:4, 5፣ ማቴዎስ 22:37, 38

ዕዮና ንኻልኦት ሰባት ሃይማኖቶም ከም ዚቕይሩ ምግባር ድዩ፧

 ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚእዝዞ፡ “ብግህዶን ኣብ በቤትን” ብምስባኽ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ነብጽሕ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 10:42፣ 20:20) ልክዕ ከምቲ ንቐዳሞት ክርስትያናት ዘጋጠሞም እውን፡ ሕጋዊ ብዘይኰነ መገዲ ንሰባት ሃይማኖቶም ከም እነቐይሮም ሓድሓደ ግዜ ንኽሰስ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 18:12, 13) እዚ ኽስታት እዚ ግና ሓሶት እዩ። ንእምነታትና ብሓይሊ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክንጽዕኖ ኣይንፍትንን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰባት ኣብ ፍልጠት እተመስረተ ውሳነ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ኪፈልጡ ኣጋጣሚ ኺውሃቦም ከም ዘለዎም ኢና እንኣምን።

 ሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ ኣይነገድድን፡ ወይ ብጕልባብ ሃይማኖት ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣይነካይድን፡ ወይ እውን ሓደስቲ ኣባላት ክንረክብ ኢልና ንዋታዊ ወይ ማሕበራዊ ረብሓታት ኣይነቕርብን ኢና። ብኣንጻሩ ግና ገሊኦም ክርስትያናት ምዃኖም ዚገልጹ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብምግባር ንክርስቶስ ኣሕሲሮምዎ እዮም። b

ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ኪቕይር መሰሉ ድዩ፧

ነብዪ ኣብርሃም፡ ሃይማኖት ቤተ ሰቡ ሓዲጉ እዩ

 እወ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ መሰሎም ከም ዝዀነ የርኢ እዩ። ቤተ ሰቦም ንዚስዕብዎ ሃይማኖት ከይስዕቡን ብድሌቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኬምልኹን ብዛዕባ ዝወሰኑ ሓያሎ ሰባት መዝጊቡ ኣሎ። ኣብርሃምን ሩትን ሰብ ኣቴናን ሃዋርያ ጳውሎስን ሒደት ኣብነታት እዮም። (እያሱ 24:2፣ ሩት 1:14-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 30-34፣ ገላትያ 1:14, 23) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ጥበባዊ ዘይኰነ ውሳነ ብምግባር ነቲ ኣምላኽ ዚሰምሮ ኣምልኾ ኺሓድጎ እውን መሰሉ ምዃኑ ይእመን እዩ።—1 ዮሃንስ 2:19

 ሃይማኖትካ ናይ ምቕያር መሰል ብዓለምለኻዊ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት ይድገፍ እዩ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ መሰል እዚ፡ “መሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። እቲ ሰነድ እቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ “ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ኪቕይር፡ ሓበሬታን ሓሳባትን [እንተላይ ሃይማኖታዊ ሓሳባት] ድማ ኪደልን ኪቕበልን ኬመሓላልፍን ናጽነት” ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። c እዚ መሰላት እዚ፡ ነቲ ኻልኦት ሰባት እምነቶም ኪዕቅቡን ንዘይሰማምዑሉ ሓሳባት ኪነጽጉን ዘለዎም መሰል ከተኽብረሎም ሓላፍነት ዜሰክም እዩ።

ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝርራብ ንባህሊ ወይ ንልምዲ ስድራ ቤት ዜሕስር ድዩ፧

 ከምኡ ኪኸውን ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ንዅሉ ሰብ ከተኽብር እዩ ዜተባብዕ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወለዶም እተፈልየ እምነት ዘለዎም እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ንወለዶም ኬኽብሩ ዚእዝዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዝ ይሕልውዎ እዮም።—ኤፌሶን 6:2, 3

 ይኹን እምበር፡ ምስ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ኣብ ዛምብያ ዝዓበየት ሰበይቲ፡ “ኣብ ማሕበረሰብና፡ ሃይማኖቱ ዚቕይር ሰብ . . . ንስድራ ቤቱን ንማሕበረሰቡን ዝጠለመ ዘይእሙን ሰብ ጌርካ እዩ ዚርአ” ትብል። እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ጐርዞ ኸላ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት፣ ነዊሕ ከይጸንሐት ሃይማኖታ ኽትቅይር ስለ ዝወሰነት ድማ እዚ ጸገም እዚ ኣጋጠማ። ከምዚ ትብል፦ “ወለደይ ብዙሕ ከም ዘጕሃኽዎምን ዘበሳጨኽዎምን ብተደጋጋሚ ይነግሩኒ ነይሮም። ስምረት ወለደይ ክረክብ ብርቱዕ ድሌት ስለ ዝነበረኒ፡ እዚ ጕዳይ እዚ ኣዝዩ እዩ ኸቢዱኒ ነይሩ። . . . ነቲ ብትውልዲ ዝወረስክዎ ሃይማኖት ገዲፈ ንየሆዋ እምንቲ ክኸውን ምውሳነይ፡ ንስድራ ቤተይ ጠሊመ ማለት ኣይኰነን።” d

a ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12፡ ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ።

b ንኣብነት ኣብ ከባቢ 785 ድ.ክ.፡ ሻርልማኝ፡ እቶም ኣብ ሳክሶኒ ዚነብሩ ክርስትያናት ኰይኖም ምጥማቕ ዝኣበዩ ሰባት ብሞት ኪቕጽዑ ዚእዝዝ ኣዋጅ ኣውጺኡ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ብ1555 ድ.ክ. ብተጻባእቲ ጕጅለታት ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ እተፈረመ ውዕል ሰላም ኣጉስበርግ፡ ገዛኢ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት፡ ኣባል ሮማዊት ካቶሊክ ወይ ድማ ሉተራዊ ኪኸውን፡ ኵሎም ተገዛእቱ ኸኣ ንሃይማኖቱ ኺስዕቡ ዚጠልብ እዩ ነይሩ። ንሃይማኖት እቲ ገዛኢ ምስዓብ ዝኣበዩ ዘበሉ ድማ ኪስደዱ ይግደዱ ነበሩ።

c ተመሳሳሊ ዝዀነ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቻርተር ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ፡ ኣዋጅ መሰልን ሓላፍነትን ሰብ ኣመሪካ፡ ብ2004 ዝወጸ ቻርተር ሰብኣዊ መሰላት ዓረብ፡ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኤ.ስ.ኢ.ኤ.ኤን (ማሕበር ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ)፡ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ኺዳን ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ተጠቓሊሉ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ መሰላት እዚ ኸም ዚህባ ዚገልጻ ሃገራት፡ ዝኣተዋኦ ቓል ዚፍጽማሉ መገዲ እተፈላለየ እዩ።

d የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ።