ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧

ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧

 “ሰብ ሓዳር መዓልቲ መዓልቲ ትዕግስቶም ይፍተን እዩ። ከይተመርዓኻ ትዕግስቲ እምብዛ ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይረኣየካን ይኸውን፣ ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን ግና ትዕግስቲ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።”—ጆን።

 ትዕግስቲ ስለምንታይ የድልየካ፧

  •   ሓዳር ምስ ጀመርካ፡ ድኽመታት መጻምድትኻ ዝያዳ ኺርኣየካ ይጅምር እዩ።

     “ኣብ ሓዳር ንእተወሰነ እዋን ምስ ጸናሕካ፡ ኣብ ሕማቕ ባህርያት መጻምድትኻ ተተኵር ኢኻ። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኽትሕዝ ምስ እትጅምር ድማ ትዕግስትኻ ይጽንቀቕ እዩ።”—ጀሲና።

  •   እንተ ዘይተዓጊስካ፡ ከይሓሰብካ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

     “እተሰምዓኒ ቐልጢፈ እየ ዝዛረብ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣመና እቕልጥፍ እየ። ቍሩብ እንተ ዝዕገስ ግና ዘየደሊ ዘረባታት ኣይምተዛረብኩን ነይረ።”—ካርመን።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 13:4) ስለዚ፡ ክልተ ዚፋቐሩ ሰባት ኪተዓጋገሱ ትጽበዮም ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኣይከውንን እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከም ዝዀነ ጽቡቕ ባህርይ፡ ትዕግስቲ ምምዕባል እውን ቀሊል ኣይኰነን። ጻዕሪ ይሓትት እዩ” ይብል።

 ትዕግስቲ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

  •   ዘይተጸበኻዮ ነገር ንትዕግስትኻ ምስ ዚፍትኖ።

     ኣብነት፦ መጻምድትኻ ጐዳኢ ዘረባ ይዛረበካ። ንስኻ እውን ዳርግ ዳርጋ ኽትምልሰሉ ትለዓዓል።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵራ መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።”—መክብብ 7:9፡ እግረ ጽሑፍ።.

     ትዕግስቲ ብኸመይ ከም እተርኢ፦ ፈለማ ህዳእ። መልሲ ቕድሚ ምሃብካ፡ መጻምድትኻ ብዘረባኡ ኼጥቅዓካ ኸም ዘይሓሰበ ንርእስኻ ኸተእምና ፈትን። ነዚ ብዚምልከት፡ ፋይቲንግ ፎር ዩር ሜሬጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መብዛሕትና ነቲ መጻምድትና ኺብሎ ዝደለየን ዝበሎን ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሕና እተረድኣና ጥራይ ኢና እንወስድ” ትብል።

     መጻምድትኻ ኬቘጥዓካ ኢሉ እንተ ዀነ እውን፡ ምዕጋስካን ሕነ ኽትፈዲ ዘይምፍታንካን ነቲ ውጥረት ከም ዚፈኵስ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ” ይብል።—ምሳሌ 26:20

     “ንሰበይትኻ ኸም ተጻባኢትካ ጌርካ ኽትርእያ እንተ ጀሚርካ፡ ደው ኢልካ ስለምንታይ ከም እተፍቅራ ሕሰብ፡ ጽቡቕ ነገር ክትገብረላ ድማ ፈትን።”—ኤታን።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

    •  መጻምድትኻ ዚጐድእ ዘረባ እንተ ተዛሪቡ ወይ ዚጐድእ ነገር እንተ ገይሩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

    •  ኣብ ዚቕጽል ከምዚ ምስ ዜጋጥም ብኸመይ ዝያዳ ትዕግስቲ ኸተርኢ ትኽእል፧

  •   ሓደ ዚደጋገም ነገር ንትዕግስትኻ ምስ ዚፍትኖ።

     ኣብነት፦ መጻምድትኻ ዅሉ ሳዕ ስለ ዚድንጒ የጸብየካ እዩ፣ እዚ ድማ የበሳጭወካ እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”—ቈሎሴ 3:13

     ትዕግስቲ ብኸመይ ከም እተርኢ፦ ነቲ ንሓዳርኩም ዜድልዮ ነገራት ካብቲ ንዓኻ ዜድልየካ ነገራት ኣቐድም። ንርእስኻ ድማ፡ ‘በዚ እዚ ነገር እዚ ምብስጫወይ፡ ንርክብና ይጠቕሞ ድዩ ወይስ ይጐድኦ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ብተወሳኺ፡ ‘ኵላትና ብዙሕ ሳዕ ንስሕት’ ምዃንና ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 3:2) እዚ ማለት ድማ ንስኻ እውን ከተመሓይሾ ዚግብኣካ ነገራት ኣሎ።

     “ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ንሰብኣየይ፡ ንመሓዛይ ብዝያዳ እዕገሳ እየ። እዚ ዝዀነ ድማ፡ ምስ ሰብኣየይ ብዙሕ ግዜ ስለ ዜሕልፍን ጌጋታቱ ስለ ዚርኣየንን ይመስለኒ። ኰይኑ ግና፡ ትዕግስቲ ሓደ መዳይ ፍቕሪ እዩ፡ መርኣያ ኣኽብሮት እውን እዩ፣ ስለዚ ንሓዳረይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።”—ኒያ።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

    •  ንጌጋታት መጻምድትኻ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትዕገስ፧

    •  ኣብ ዚቕጽል ብኸመይ ዝያዳ ትዕግስቲ ኸተርኢ ትኽእል፧