ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ። ኣምላኽ ሕማም ንዘለዎም ኣገልገልቱ ይሓልየሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ “የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ” ይብል። (መዝሙር 41:3) ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ነጥብታት ንሕማምካ ኽትጻወሮ ኺሕግዘካ እዩ፦

  1.   ንምጽዋር ዚሕግዝ ብርታዐ ኽትረክብ ጸሊ። ጭንቀትካ ኸም ዚንክን ጸኒዕካ ኸም እትቕጽልን ዚገብር፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ፊልጲ 4:6, 7

  2.   ኣወንታዊ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ” ይብል። (ምሳሌ 17:22) ተዋዛያይ ኩን፣ እዚ እፎይታ የምጽእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጥዕናኻ እውን ጠቓሚ እዩ።

  3.   ኣብ ተስፋ መጻኢ ኣተኵር። ድልዱል ተስፋ፡ ሕዱር ሕማም እናሃለወካ ኽነሱ፡ ሓጐስ ክትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:12) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ፡ “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ” ብምባል ይንበ። (ኢሳይያስ 33:24) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣምላኽ፡ ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ክፈትሖ ዘይከኣለ ሕዱር ሕማማት ኬሕዊ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣረጋውያን ናብ ንእስነቶም ተመሊሶም ምሉእ ጥዕና ኸም ዚረኽቡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣ ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ” ይብል።—እዮብ 33:25

 መዘኻኸሪ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ሓገዝ ይኣምኑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ዚኸውን ሕክምናዊ ኽንክን እውን ይቕበሉ እዮም። (ማርቆስ 2:17) ኰይኑ ግና፡ ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይህቡን እዮም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንጥዕናኡ ብዚምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ኺገብር ከም ዘለዎ እዮም ዚኣምኑ።