ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

22-28 ሓምለ

መዝሙር 66–68

22-28 ሓምለ

መዝሙር 7ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ይጾረልና

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ጸሎትና ሰሚዑ መልሲ ይህብ (መዝ 66:19w23.05 12 ¶15)

የሆዋ ንጽጉማት ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም (መዝ 68:5w10 1/12 23 ¶5፣ w09 1/4 31 ¶1)

የሆዋ መዓልታዊ ይሕግዘና (መዝ 68:19w23.01 19 ¶17)

ንምስትንታን ዚኸውን፦ የሆዋ ጾርና ምእንቲ ኺጾረልና ብኸመይ ክንፈቕደሉ ንኽእል፧

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 68:18—ብግዜ ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ እቶም ‘ውህበት ሰብ’ መን እዮም ነይሮም፧ (w06 1/6 10 ¶5)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ካባኻ እተፈለየ ባህሊ ኣለዎ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። በታ ገዲፍካሉ ዝነበረካ ትራክት ምይይጥ ግበሩ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 102

7. ጾር ካልኦት እተፍኵስ ዲኻ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም በይኖም ኣይኰኑን ዚዋጽእሉ። (2ዜና 20:15፣ መዝ 127:1) የሆዋ ይሕግዘና እዩ። (ኢሳ 41:10) በየናይ መገድታት እዩ ዚሕግዘና፧ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ መምርሒ ይህበና። (ኢሳ 48:17) ሓያል መንፈስ ቅዱሱ እውን ይህበና። (ሉቃ 11:13) ብዘይካ እዚ፡ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ኣቢሉ የተባብዓናን ግብራዊ ሓገዝ ይህበናን እዩ። (2ቈረ 7:6) ስለዚ፡ የሆዋ ጾር ክርስትያናት ኣሕዋትና ንምፍኳስ ንሓዴና ኺጥቀመልና ይኽእል እዩ።

ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንኣረጋውያን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ጾር እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ንምፍኳስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ጾር እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንምፍኳስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንጓኖት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ጾር እቶም ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለዉ ንምፍኳስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 13 ¶1-7መእተዊ 5ይ ክፋል ከምኡ እውን፡ ኣብ ገጽ 103 ዘላ ሳጹን

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 88ን ጸሎት