22-28 ሓምለ
መዝሙር 66–68
መዝሙር 7ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ይጾረልና
(10 ደቒቕ)
የሆዋ ጸሎትና ሰሚዑ መልሲ ይህብ (መዝ 66:19፣ w23.05 12 ¶15)
የሆዋ ንጽጉማት ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም (መዝ 68:5፣ w10 1/12 23 ¶5፣ w09 1/4 31 ¶1)
የሆዋ መዓልታዊ ይሕግዘና (መዝ 68:19፣ w23.01 19 ¶17)
ንምስትንታን ዚኸውን፦ የሆዋ ጾርና ምእንቲ ኺጾረልና ብኸመይ ክንፈቕደሉ ንኽእል፧
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
-
መዝ 68:18—ብግዜ ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ እቶም ‘ውህበት ሰብ’ መን እዮም ነይሮም፧ (w06 1/6 10 ¶5)
-
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መዝ 66:1-20 (th መጽናዕቲ 11)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ካባኻ እተፈለየ ባህሊ ኣለዎ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። በታ ገዲፍካሉ ዝነበረካ ትራክት ምይይጥ ግበሩ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 15 መእተውን ነጥቢ 1-3ን (th መጽናዕቲ 8)
መዝሙር 102
7. ጾር ካልኦት እተፍኵስ ዲኻ፧
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም በይኖም ኣይኰኑን ዚዋጽእሉ። (2ዜና 20:15፣ መዝ 127:1) የሆዋ ይሕግዘና እዩ። (ኢሳ 41:10) በየናይ መገድታት እዩ ዚሕግዘና፧ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ መምርሒ ይህበና። (ኢሳ 48:17) ሓያል መንፈስ ቅዱሱ እውን ይህበና። (ሉቃ 11:13) ብዘይካ እዚ፡ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ኣቢሉ የተባብዓናን ግብራዊ ሓገዝ ይህበናን እዩ። (2ቈረ 7:6) ስለዚ፡ የሆዋ ጾር ክርስትያናት ኣሕዋትና ንምፍኳስ ንሓዴና ኺጥቀመልና ይኽእል እዩ።
ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንኣረጋውያን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
-
ጾር እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ንምፍኳስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
-
ጾር እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንምፍኳስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንጓኖት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
-
ጾር እቶም ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለዉ ንምፍኳስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 13 ¶1-7፡ መእተዊ 5ይ ክፋል ከምኡ እውን፡ ኣብ ገጽ 103 ዘላ ሳጹን