ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

‘ክሳብ ወሰናት ምድሪ’ ዚኸዱ ሚስዮናውያን

‘ክሳብ ወሰናት ምድሪ’ ዚኸዱ ሚስዮናውያን

1 ሰነ 2021

 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ኽሳብ ወሰናት ምድሪ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም’ በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዕዮ እዚ ብቕንኣት ይፍጽምዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ኽፋላት ምድሪ፡ እንተላይ ገሊኡ ሰፊሕን ብዙሕ ህዝብን ዘለዎ ቦታታት፡ ኣጸቢቑ ምስክርነት ኣይተዋህቦን። ገሊአን ሃገራት ከኣ፡ ብተዛማዲ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዘለዉወን። (ማቴዎስ 9:37, 38) እሞ ደኣ፡ እዚ ምስክርነት ናብ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኺበጽሕ እንታይ ኢና እንገብር ዘለና፧

 ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ንምፍጻም፡ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስክርነት ናብ ዜድልዮ ኽፋላት ዓለም፡ ሚስዮናውያን ወፍሪ ይምድብ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም 3,090 ሚስዮናውያን ወፍሪ ኣለዉ። a መብዛሕትኦም ኣብ ከም ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰልጢኖም እዮም። ሚስዮናውያን፡ ዓዶም ሓዲጎም ናብ ወጻእ ሃገራት ኪግዕዙ ፍቓደኛታት እዮም። እዞም እሙናት ሚስዮናውያን፡ ሳላ እቲ ዘለዎም ብስለትን ዚረኸብዎ ስልጠናን ተመክሮን እቲ ብስራት ኺሰፍሕ ሓጊዞም፣ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሰናይ ኣብነት ኰይኖም እዮም።

ሚስዮናውያን ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልየሉ ቦታ ኸይዶም ብስራት ይሰብኩ

ነቶም ንኻልኦት ዚሕግዙ ሚስዮናውያን ምሕጋዝ

 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብ ትሕቲ ኽፍሊ ኣገልግሎት ዚርከብ ክፍሊ ኣገልገልቲ ወፍሪ፡ ምስ ኮሚተ ጨንፈር ብምዃን ንሚስዮናውያን ናይ መንበርን ናይ ክንክን ጥዕናን ናይ ካልእ ወጻኢታቶምን ይሽፍነሎም እዩ። ኣብ እዋን ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሚስዮናውያን ንምክንኻን ኣስታት 27 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኦም እዮም። ሳላ እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ሚስዮናውያን ኣቓልቦኦምን ጕልበቶምን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት ኣውዒሎምን ነተን እተመደቡለን ጉባኤታት ኣደልዲሎምን እዮም።

ሚስዮናውያን ንጉባኤታት የደልድሉ

 ሚስዮናውያን ወፍሪ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝገበርዎ ኣበርክቶ እንታይ እዩ፧ ኣብ ማላዊ፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ዜገልግል ፍራንክ ማርድሰን ከምዚ ይብል፦ “ሚስዮናውያን በቲ ዘለዎም ትብዓትን ክእለትን ንኸም እተሓጽረ ማሕበረ ሰባትን ቋንቋ ወጻኢ ዚዝረበለን ጉባኤታትን ክለን ኪሽፍና ሓጊዞም እዮም። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሓድሽ ቋንቋን ባህልን ንምልማድ ዚገበርዎ ትግሃት ንኻልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ገይሩሎምን ንመንእሰያት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩሎምን እዩ። የሆዋ ንሚስዮናውያን ወፍሪ ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ኢና።”

 ኣብ ካልእ ሃገር ዚርከብ ሓደ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዚ ይብል፦ “ሚስዮናውያን፡ ህዝቢ የሆዋ ዓለምለኻዊ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኸም ዝዀኑ ዜርእዩ ህያው ኣብነት እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ብባህሊ ዘይተኸፋፈልናን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓድነት ዘለዎ ሕውነት ኪህልወና ኸም ዝሓገዘናን ብንጹር ክርእዩ ኽኢሎም እዮም።”

 ሚስዮናውያን ወፍሪ ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ቲሞር-ለስተ ዚነብር ፖውሎ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኡ እተመደቡ ሚስዮናውያን የመስግኖም እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ከባቢና ብርቱዕ ሃሩር ኣለዎ። እቶም ሚስዮናውያን ግና፡ ካብ ቈራሪ ቦታ እኳ እንተ መጹ፡ እቲ ክሊማ ኻብ ስብከት ደው ኣየበሎምን። ወትሩ ኻብቲ ንግሆ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣይተርፉን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ቐትሪ፡ ማለት ኣዝዩ ሃሩር ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከምኡ እውን ኣብ ኣጋ ምሸት፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ እርእዮም እየ። ንዓይ ሓዊስካ ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ኽንፈልጥ ሓጊዞምና እዮም። ብቕንኣትን ብውዕዉዕ ስምዒትን ምሉእ ህይወቶም ንየሆዋ የገልግልዎ እዮም። እዚ ድማ ንምልእቲ ጉባኤ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከተገልግሎ ደሪኾምዋ እዮም።”

 ኣብ ማላዊ እትርከብ ኬቲ ዝስማ ስርዕቲ ፈላሚት፡ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሚስዮናውያን ንስድራ ቤታ ብኸመይ ከም ዝሓገዝዋ ኸምዚ ኢላ ትዛረብ፦ “ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሚስዮናውያን ናብ ጉባኤና ኣብ እተመደብሉ እዋን፡ ካብ ስድራና ኣነ ጥራይ እየ ናይ የሆዋ ምስክር ነይረ። እቲ ባህ ዜብል ግና፡ ንዓይ ሓጊዞምኒ፣ ንስድራ ቤተይ ድማ ኣጸቢቖም ቀሪቦምዎም እዮም። እቲ ሰናይ ኣብነቶም ደቀይ ንየሆዋ ምግልጋል ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ከም ዝዀነ ኺርእዩ ሓጊዝዎም እዩ። ሳላ እቲ ሚስዮናውያን ዘሕደርዎ ጽቡቕ ጽልዋ፡ ሰለስተ ደቀይ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይነን የገልግላ ኣለዋ፣ ሰብኣየይ ድማ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ጀሚሩ ኣሎ።”

 ናይ ሚስዮናውያን ወፍሪ ወጻኢታት ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ እዚ፡ ሳላ እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚግበር ወፈያ እዩ ኪሽፈን ተኻኢሉ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ኸኣ፡ ብdonate.isa4310.com እዩ ዚግበር። ነዚ ብልግሲ ንዚግበር ወፈያታት ኣዚና ነማስወሉ ኢና።

a እዞም ሚስዮናውያን ኣብተን ዝያዳ ሰበኽቲ ዜድልይወን ጉባኤታት እዮም ዚምደቡ። ካልኦት 1,001 ሚስዮናውያን ወፍሪ ኸኣ ኣብ ዕዮ ወረዳ የገልግሉ እዮም።