ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤ

ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤ

26 ሰነ 2020

 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ሓያሎ መንግስትታት፡ ኣካላዊ ርሕቀት ኪሕሎን ህዝባዊ ኣኼባታት ኪስረዝን ውሳነ ኣመሓላሊፈን እየን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ እዚ ውሳነ እዚ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ቘሪጾም እዮም፣ ምስናይዚ ግና ድሕነቶም ሓልዮም ካብ ምእካብ ኣየቋረጹን። ብኸመይ፧ ጉባኤታት ከም ዙም ዝኣመሰለ ኣፕሊኬሽን ተጠቒመን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣኼባታት ኪገብራ ኽኢለን እየን።

 ብስሩዕን ብውሑስን መገዲ ኣኼባታትና ምእንቲ ኽንገብር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ካብቲ ዚግበር ወፈያታት ንጉባኤታት ዚኸውን ዙም ኪዕደግ ኣጽዲቑ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኻብ $15-$20 ዶላር ኣመሪካ ወይ ዝያዳ ዚሓትት ዋጋ ቪድዮ ኮንፈረንስ ኪኸፍላ ዘይክእላ ጉባኤታት ብዙሕ ሓጊዝወን እዩ። እዘን ጉባኤታት እዚአን ሒደት ሰባት ጥራይ ዜአንግድን ውሕስነት ዘይብሉን ናጻ ኣፕሊኬሽን እየን ኪጥቀማ ጸኒሐን። ጉባኤታት ካብቲ ውሕስነቱ ብቐሊሉ ኽትቈጻጸሮ እትኽእልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ብዙሓት ሰባት ኬአንግድ ዚኽእልን ብውድብ እተዓደገ ዙም ኪጥቀማ ኽኢለን እየን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ልዕሊ 170 ሃገራት ዚርከባ ልዕሊ 65,000 ጉባኤታት ነዚ ይጥቀማሉ ኣለዋ።

 ኣብ ማናዶ፡ ሰሜን ሱላወሲ፡ ኢንዶነዥያ እትርከብ ጉባኤ ካይራጊ ነቲ ብናጻ እትጥቀመሉ ዝነበረት ዙም ሓዲጋ ነቲ ብውድብ እተዓደገ ዙም ክትጥቀም ጀሚራ እያ። ሓውና ሃዲ ሳንተሶ ኸምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ከይተረፉ ኻብዚ ኣኼባታት ኪጥቀሙ ኽኢሎም እዮም። ከመይሲ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ጥራይ ብዙሕ ሳዕ ኪኣትዉን ኪወጹን ኣየድልዮምን እዩ።”

 ኣብ ጉያኲል፡ ኤኳዶር፡ ጉባኤ ጉያካነስ ኦስተ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ለስተ ህዮን ከምዚ በለ፦ “ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እኹል እቶት ስለ ዘይብሎም፡ ገሊአን ጉባኤታት ንምልእቲ ጉባኤ ኼአንግድ ዚኽእል ዙም ኪዕድጋ ኣይምኽኣላን ነይረን። ሕጂ ግና ሳላቲ ብውድብ እተዓደገ ዙም፡ ከይተሰከፍና ብዙሓት ሰባት ናብ ኣኼባታት ክንዕድም ክኢልና ኢና።”

 ኣብ ሉሳካ፡ ዛምብያ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሰሜን ንወረረ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ጆንሰን ምዋንዛ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ‘እቲ ብውድብ እተዓደገ ዙም ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ኣቀራሪቡና ጥራይ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኸም ዚፈትወናን ከም ዚሓልየልናን ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ገይሩና እዩ’ ብምባል ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም።”

 እዚ ዙም እዚ በቲ ንዕዮ ረድኤት እተመደበ ገንዘብ እተዓደገ እዩ። እቲ ገንዘብ ከኣ ካብቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብወለንታ እተገብረ ወፈያ እተረኽበ እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ወፈያታት እዚ ብdonate.isa4310.com ኣቢሉ እዩ ዚግበር። ወፈያታትኩም ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ካልእ ዕዮ ረድኤት እውን ይሕግዝ እዩ። ስለቲ ብልግሲ እትገብርዎ ወፈያታት ነመስግነኩም።—2 ቈረንቶስ 8:14