ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

መስመር ሳተላይት JW፡ ኢንተርነት ናብ ዘይበጽሓሉ ቦታታት ይበጽሕ

መስመር ሳተላይት JW፡ ኢንተርነት ናብ ዘይበጽሓሉ ቦታታት ይበጽሕ

1 ሚያዝያ 2021

 ኣብ ወወርሒ፡ ነቲ ኣብ ፈነወ JW ዚወጽእ መንፈሳዊ መደባትን ቪድዮታትን ተሃንጢና ንጽበዮ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ብዙሓት ኣሕዋትና ነዚ መደባት እዚ ብኢንተርነት ኪረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለምንታይ፧

 ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት ኣፍሪቃ፡ ኢንተርነት ኣብ ኵሉ ኣይርከብን እዩ። ኣብቲ ኢንተርነት ዚርከበሉ ቦታታት ከኣ፡ ፍጥነቱ ዝሑል ወይ ዋጋኡ ኣዝዩ ኽቡር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ማዳጋስካር ዚነብር ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ናይ ወርሓዊ መደብ ፈነወ ኣብ ኢንተርነት ካፈ ዀይኑ ኣራገፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 16 ዶላር ዚኣክል ገንዘብ እዩ ኸፊሉ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ገሊኦም ሰባት ኣብ ሰሙን ዚረኽብዎ ኣታዊ ይበዝሕ እዩ! a

 እዚ ጸገማት እዚ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ብዘይ ኢንተርነት ፈነወ JW ይረኽቡ ኣለዉ። ብኸመይ፧

 ካብ 2017 ኣትሒዙ፡ ፈነወ JW ነቶም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዚርከባ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ብመስመር ሳተላይት ብዚመሓላለፍ ተለቪዥን ይፍኖ ኣሎ። እዚ መስመር ተለቪዥን እዚ፡ 24 ሰዓት ኣብ መዓልቲ፡ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን፡ ብ16 ቛንቋ ብዘይ ክፍሊት ይፍኖ ኣሎ።

ብ2018፡ ኣብ ሞዛምቢክ ዚርከቡ ኣሕዋት፡ መስመር ሳተላይት JW ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የዐርዩ

 ከምኡ ንምግባር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓደ ብሳተላይት ፈነወ ተለቪዥን ዚገብር ወሃብ ኣገልግሎት ኮንትራት ኣትዮም ኣለዉ። እታ ሳተላይት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዚርከባ ኣስታት 35 ሃገራት ትሽፍን። ነቲ ኮንትራት ከኣ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 12,000 ዶላር ይኽፈሎ። ብዘይካዚ፡ በብእዋኑ ኣብ ካልእ መስመር ተለቪዥን ብቐጥታ ፈነወ ንምምሕልላፍ፡ ተወሳኺ ኽፍሊት ይግበር እዩ። ሳላ እዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ካብ ዓበይቲ ኣኼባታት ወይ ምስ ምብጻሕ ጨናፍር ካብ እተተሓሓዘ ፍሉይ መደባት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ብ2018፡ ኣብ ማላዊ ዜገልግሉ ጕጅለ ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት መስመር ሳተላይት JW ይርእዩ

 ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ንመስመር ሳተላይት JW ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ብተለቪዥን ይርእይዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ኣሕዋትና ብሳተላይት ተለቪዥን ንምርኣይ ዜድሊ ናውቲ ኺዕድጉ ዓቕሚ የብሎምን። ንዓታቶም ንምድጋፍ፡ ኣብ ልዕሊ 3,670 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሳተላይት ዚቕበል ናውቲ ተኺልና ኣለና፣ በዚ ኸምዚ ኣሕዋት ንፈነወ JW ኣብኡ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ንዋት ምስቲ ናብቲ ኣዳራሽ መብጽሒኡ ደሚርካ ኣስታት 70 ዶላር የውጽእ፣ እዚ ድማ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ተለቪዥን ወይ ፕሮጀክተር እንተ ኣልይዎ ማለት እዩ። ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግና፡ ብምሉኡ እቲ ናውቲ ኽሳዕ 530 ዶላር ኬውጽእ ይኽእል እዩ።

 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ መስመር ተለቪዥን ብዙሕ የማስዉሉ ኣለዉ። ኣብ ካመሩን ዚነብር ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ እዚ መስመር ተለቪዥን፡ “ንስድራ ቤትና ኣብ ማእከል ምድረ በዳ ኸም ዚርከብ ማና እዩ ዀይኑልና” ይብል። ኦዴቦዲ ዝስሙ ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ሓው ከኣ፡ “ነዚ ቻነል ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሳዕ ኢና እንርእዮ። ደቀይ ነዚ ተሃንጥዮም እዮም ዚጽበይዎ። ኣብ ካልእ ግዜያት እውን፡ ናብ ቻነል JW ክንቅይሮ ይሓትቱ እዮም” ይብል። ኣብ ናይጀርያ እትነብር ሮዝ እውን ከምዚ ትብል፦ “መስመር ሳተላይት JW ነቲ ንዜና ዝነበረኒ ወልፊ ብምትካኡ ሕጕስቲ እየ። ዜናታት ኣብ ዝርእየሉ ዝነበርኩ እዋን፡ በቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ብቐሊሉ እበሳጮን ጸቕጢ ደመይ ሓፍ ይብልን ነይሩ። ፈነወ JW ግና ሃናጽን ሰላማውን እዩ! ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝፈትዎ ቻነል እዩ። ካብ የሆዋ እተዋህበና ፍሉይ በረኸት እዩ።”

ኣብ ማላዊ ዚርከቡ ስድራ ቤት ንቘልዑ ዚኸውን ቪድዮ ብመስመር ሳተላይት ይርእዩ

 ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብር ሓላው ወረዳ፡ ኣብ ወረዳኡ ዚርከብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ መስመር ሳተላይት ዚቕበል ናውቲ ኸም እተገጥመሉ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ኣሕዋት ከኣ፡ ብሳተላይት ፈነወ JW ንምርኣይ፡ ኣስታት ሓደ ሰዓት ወይ ኣቐዲሞም እዮም ዚመጹ።

ብ2018፡ ኣባላት ሓንቲ ኣብ ኢትዮጵያ እትርከብ ጉባኤ ብዘይ ኢንተርነት መደብ ወርሓዊ ፈነወ JW ምስ ረኣዩ

 ኣብቲ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ 2019፡ ቀንዲ መደረታት፡ እንተላይ እቲ ብኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝቐረበ መደረታት፡ ናብ ትሽዓተ ቦታታት በዚ መስመር ተለቪዥን ተመሓላሊፉ እዩ። ኣብ ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ክፍሊ ፈነወ ዀይኑ ዜገልግል ስፑመለለ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቐዲምና ነቲ መደረታት ብኢንተርነት ኢና እነመሓላልፎ ኔርና። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ጽቡቕ መስመር ኢንተርነትን ንዳታ ዚኽፈል ክፍሊትን የድሊ ነይሩ። መስመር ሳተላይት JW ግና ገንዘብ ዚቝጥብን ብዝያዳ ዜተኣማምንን እዩ።”

 ሳላ እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብልግሲ እትውፍይዎ ወፈያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈነወ JW ብሳተላይት ኪርእዩ ኽኢሎም ኣለዉ። በቲ ኣብ donate.isa4310.com ዚርከብ እተፈላለየ ሜላታት ኣቢልኩም ወፈያታት ትገብሩ ብምህላውኩም ብዙሕ ከነመስግነኩም ንፈቱ።

a ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ዶላር፡ ንዶላር ኣመሪካ የመልክት።