ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (1ይ ክፋል)

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (1ይ ክፋል)

ኣራግፍ፦

  1. 1. ዘፍጥረት—ምጥፋእ ገነት እተዘንቱ መጽሓፍ።

    ዘጸኣት—ናጻ ወጺኦም ካብ ባርነት ግብጺ።

    ዘሌዋውያን—ንጹሃት ዚገብሮም ሕጊ ኣምላኽ።

    ዘሁልቍ—ምድሪ ተስፋ ዘይወረሱ ነይሮም።

    ዘዳግም—‘ስምዑን ተኣዘዙን’ ተባሂሎም።

    እያሱ—ኵሎም ነገድ ረርስቶም ረኺቦም።

    መሳፍንቲ—ብሓይሊ ኣምላኽ ተኣምር ገይሮም።

    ሩት—ቤትን ስድራን ሂቡ ባሪኽዋ።

    ቀዳማይ ሳሙኤል—ዳዊት ንጉስ ኰይኑ ተመሪጹ።

    ካልኣይ ሳሙኤል—ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤን ዓጺዱ።

    ቀዳማይ ነገስት—’ታ መንግስቲ ኣብ ክልተ ተመቕለት።

    ካልኣይ ነገስት—ሒደት እሙናትሲ ኣይተሳእኑን።

    ቀዳማይ ዜና መዋእል—ካብ ሕሉፍ እተረኽበ ትምህርቲ።

    ካልኣይ ዜና መዋእል—እኩያት ገዛእቲ ’በላሽዮምዎም።

    እዝራ—ንጹህ ኣምልኾ ኺምለስ ዓይዩ።

    ነህምያ—ነቲ መካበብያ ሃኒጽዎ።

    ኣስቴር—ስለ ህዝባ ብትብዓት ለሚና።

    እዮብ—ኣምላኽ ንጽህና ይፈቱ’ዩ።

    መዝሙር—ንኣምላኽና ዚውድስ መዝሙራት።

    ምሳሌ—ግዜ ዘይሓልፎ ‘ወ ቓላት ጥበብ።

    መክብብ—ኣገልግሎት ሓጐስ እዩ ዜምጽእ።

    መሃልየ መሃልይ—ናይ ሓቂ ፍቕሪ ወትሩ እምንቲ።

    ኢሳይያስ—ኣብ ግዝኣት የሱስ ዚህሉ ህይወት።

    (ኣዝማች)

    መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ’ዩ ኻብ ኵሉ።

    ያህ ሂቡና ንጥቕምና ኢሉ።

    ኵሉ ሳዕ ነንብቦ፡ ቃሉ’ውን ንስዓቦ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ’ዩ ኻብ ኵሉ።