ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት

ንየሆዋ ኣምላኽ ንምውዳስን ንምምላኽን ሓድሽ መዝሙራት ዘምር። ነቲ ሙዚቃን ግጥምን ኣራግፎ እሞ፡ ነዚ ባህ ዜብል መዝሙራት እዚ ተለማመደሉ።

መዝሙር 136

መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

እዛ ጽብቕቲ መዝሙር እዚኣ፡ ነታ ክርስቶስ የሱስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ እናጠቐሰት ንየሆዋ ኣምላኽ ትውድሶ።

መዝሙር 137

ኣትብዓና

ንየሆዋ፡ ብዛዕባ ስሙ ብትብዓት ክንምስክር ዜኽእለና ብርታዐ ኺህበና ንለምኖ።

መዝሙር 138

የሆዋ እዩ ስምካ

እቲ ኽቡር ስም የሆዋ ይወደስ፡ ልዑል ምዃኑ ድማ ኵሉ ይፍለጥ።

መዝሙር 139

ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም

ኣብቲ ህይወት ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ የሆዋ ኼዕቍቦምን ብተኣማንነት ኪጸንዑ ኺድግፎምን ዚቐርብ ልማኖ።

መዝሙር 140

ህይወት ፈላሚ

ንየሆዋ ዘላትካ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ፡ ከምኡ ድማ ካብቲ እትፈትዎ ዕዮን ህይወትን እትረኽቦ ሓጐስ ግለጽ

መዝሙር 141

ንፈተውቲ ሰላም ንድለዮም

ንሰባት ዘሎና ፍቕርን ንኣባጊዕ ኣምላኽ ንምርካብ እንገብሮ ጻዕርን እትገልጽ ጽብቕቲ መዝሙር።

መዝሙር 142

ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋን ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናብኡ ንምምጻእ ብዛዕባ ዘሎና እጃምን ዘምር።

መዝሙር 143

ኣብ ጸልማት ዚበርህ ብርሃን

ጸልማት ዚገልህ’ዩ፡ ካብ ድቃስ ዜንቅሕ’ዩ መልእኽትና።

መዝሙር 144

ህይወት ነድሕን

ግዜ ኸሎ ገና መልእኽቲ ኣምላኽ ንስበኽ።

መዝሙር 145

ንስብከት ንዳሎ

ንፍተን ክንጸንሕ ኣብ ገዛ፡ ማሚቚና። እንተ ተዳሊና፡ ይሰልጠና።

መዝሙር 146

ዝገበርኩምሎም’ዩ ዝገበርኩምለይ

የሱስ ነቲ ንቕቡኣት ኣሕዋቱ ብፍቕሪ ተደሪኽና እንገብረሎም ዝዀነ ይኹን ደገፍ፡ ንዕኡ ኸም እተገብረሉ ገይሩ ይርእዮ።

መዝሙር 147

ፍሉይ ጥሪት

የሆዋ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቁ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም፣ ንሳቶም እውን ዚብህጎ ምግባር ይፈትዉ እዮም።

መዝሙር 148

ሓደ ወድኻ ሂብካ

የሆዋ ኽቡር ህያብ ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ኢና። ሳላ እዚ ድማ ተስፋን ህይወትን ኣሎና።

መዝሙር 149

ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ወትሩ ምስጋና ኽንህቦ ይድርኸና እዩ።

መዝሙር 150

ንሓግዝ

ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ፡ ባህ ኢሉካ ኸተገልግል ከም እትደሊ ግለጽ።

መዝሙር 151

ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ

የሆዋ ንኣሕዋት ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዚወስደሉ እሞ በረኸት እንረኽበሉ ግዜ ብሃረርታ ኢና እንጽበዮ።

መዝሙር 152

ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

ጭንቀት ናብራ ፍርሂ ምስ ዜሕድረልና፡ ኣምላኽ ሓይልናን ተስፋናን እምንቶናን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መዝሙር 153

የሐጕሰካዶ፧

ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ንምርካብ እጃምካ ምብርካትካ የሐጕሰካዶ፧

መዝሙር 154

ክንጻወር ኢና

ጸገማት ክንጻወርን ንየሆዋ ብተኣማንነት ከነገልግሎን እትሕግዘና መዝሙር።