መዝሙር 47
ንጸሊ ብቐጻሊ
-
1. ወትሩ ንጸሊ ናብ ያህ ኣምላኽና፣
ጸሎት ዚሰምዕ’ዩ ፈጣሪና።
ሃየ ናይ ልብና ነፍስሰሉ፣
ብእኡ ንተኣመን ኣብ ኵሉ።
ንጸሊ ብቐጻሊ።
-
2. ወትሩ ንጸሊ ናብ ያህ ኣምላኽና፣
ንለምን በደልና ኺሓድገልና።
ንናዘዘሉ፡ ርእስና ነትሕት፣
ይፈልጥ እንድዩ ዘሎና ድኽመት።
ንጸሊ ብቐጻሊ።
-
3. ወትሩ ንጸሊ ናብ ያህ ኣምላኽና፣
ኣቦና እንድዩ፡ ’ወ ሓብሓቢና።
ኣብኡ ንጸጋዕ፡ ኣብ ረድኤቱ፣
ይሕልዋና እንድየን ኣዒንቱ።
ንጸሊ ብቐጻሊ።
(መዝ. 65:5፣ ማቴ. 6:9-13፣ 26:41፣ ሉቃ. 18:1 እውን ርአ።)