ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 47

ንጸሊ ብቐጻሊ

ንጸሊ ብቐጻሊ

(1 ተሰሎንቄ 5:17)

  1. 1. ወትሩ ንጸሊ ናብ ያህ ኣምላኽና፣

    ጸሎት ዚሰምዕ’ዩ ፈጣሪና።

    ሃየ ናይ ልብና ነፍስሰሉ፣

    ብእኡ ንተኣመን ኣብ ኵሉ።

    ንጸሊ ብቐጻሊ።

  2. 2. ወትሩ ንጸሊ ናብ ያህ ኣምላኽና፣

    ንለምን በደልና ኺሓድገልና።

    ንናዘዘሉ፡ ርእስና ነትሕት፣

    ይፈልጥ እንድዩ ዘሎና ድኽመት።

    ንጸሊ ብቐጻሊ።

  3. 3. ወትሩ ንጸሊ ናብ ያህ ኣምላኽና፣

    ኣቦና እንድዩ፡ ’ወ ሓብሓቢና።

    ኣብኡ ንጸጋዕ፡ ኣብ ረድኤቱ፣

    ይሕልዋና እንድየን ኣዒንቱ።

    ንጸሊ ብቐጻሊ።