ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 40

ናይ መን ኢና፧

ናይ መን ኢና፧

(ሮሜ 14:8)

  1. 1. ’ስኻ ናይ መን ኢኻ፧

    መኖምከ’ዩ ኣምላኽካ፧

    ’ቲ ’ትሰግደሉ’ዩ ጐይታኻ።

    እተገልግሎ ኣምላኽካ።

    ዚከኣል ኣይኰነን፡

    ንኽልተ ኸተገልግል።

    ዘይተርፈካ’ዩ ሓደ ኽትሓሪ፡

    ሓደ ኸተብል ልዕል።

  2. 2. ’ስኻ ናይ መን ኢኻ፧

    መኖምከ’ዩ ኣምላኽካ፧

    ነየናዮም ኢኻ ኽትሓሪ፧

    ሃየ ምርጫኻ ኣዐሪ።

    ተወፋይነትካ፡

    ገና ድዩ ንቄሳር፡

    ወይስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ’ዩ፧

    ውሳነኻ ኣነጽር።

  3. 3. ኣነ ናይ መን እየ፧

    የሆዋ’ዩ ኣምላኸይ።

    ከገልግሎ’የ ’ወ ንኣቦይ፣

    ክፍጽመሉ መብጽዓይ።

    ክቡር መስዋእቲ’ዩ፡

    ንዓይ ዝኸፈለለይ።

    ከገልግሎ’የ ዅሉ መዓልቲ፣

    ክሳዕ ዘሎ ትንፋሰይ።