መዝሙር 40
ናይ መን ኢና፧
(ሮሜ 14:8)
-
1. ’ስኻ ናይ መን ኢኻ፧
መኖምከ’ዩ ኣምላኽካ፧
’ቲ ’ትሰግደሉ’ዩ ጐይታኻ።
እተገልግሎ ኣምላኽካ።
ዚከኣል ኣይኰነን፡
ንኽልተ ኸተገልግል።
ዘይተርፈካ’ዩ ሓደ ኽትሓሪ፡
ሓደ ኸተብል ልዕል።
-
2. ’ስኻ ናይ መን ኢኻ፧
መኖምከ’ዩ ኣምላኽካ፧
ነየናዮም ኢኻ ኽትሓሪ፧
ሃየ ምርጫኻ ኣዐሪ።
ተወፋይነትካ፡
ገና ድዩ ንቄሳር፡
ወይስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ’ዩ፧
ውሳነኻ ኣነጽር።
-
3. ኣነ ናይ መን እየ፧
የሆዋ’ዩ ኣምላኸይ።
ከገልግሎ’የ ’ወ ንኣቦይ፣
ክፍጽመሉ መብጽዓይ።
ክቡር መስዋእቲ’ዩ፡
ንዓይ ዝኸፈለለይ።
ከገልግሎ’የ ዅሉ መዓልቲ፣
ክሳዕ ዘሎ ትንፋሰይ።
(እያ. 24:15፣ መዝ. 116:14, 18፣ 2 ጢሞ. 2:19 እውን ርአ።)