ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 115

ምስጋና ንትዕግስቲ ኣምላኽ

ምስጋና ንትዕግስቲ ኣምላኽ

(2 ጴጥሮስ 3:15)

  1. 1. ብርቱዕ ኢኻ፡ ሓያል ኣምላኽና፣

    ፈታው ተግባራት ቅንዕና።

    ምድሪ ብእከይ መሊኣ፣

    ተጕህየካ ንኽትርእያ።

    ኣይተደንጕያን መዓልትኻ፣

    ዚከዓወላ ቝጥዓኻ።

    (ኣዝማች)

    ብተስፋ ንጽበ’ሎና፡

    ንዓብዪ ስምካ ’ናወደስና።

  2. 2. ንሽሕ ዓመት ጌርካ ትቘጽሮ፡

    ከም መዓልቲ፡ ከም ቍንጣሮ።

    ቀሪባ’ያ መዓልትኻ፣

    ኣይትድንጕን ካብ መደብካ።

    ’ተ ጸላእካ’ኳ ዅሉ ሓጥያት፣

    ንስሓ ርኢኻ ትድሰት።

    (ኣዝማች)

    ብተስፋ ንጽበ’ሎና፡

    ንዓብዪ ስምካ ’ናወደስና።