ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 101

ብሓድነት ንዕየ

ብሓድነት ንዕየ

(ኤፌሶን 4:3)

  1. 1. ያህ ናብ ደምበኡ ኣእትዩና፣

    ካብ ዓለም’ውን ኣውጺኡና፣

    ሓድነት፡ ሰላም ኣሎና፡

    ሓጐስ ዜምጽኣልና።

    ንሕብሕብ ሓድነት፣

    ንፈቱ ስኒት።

    ገና ብዙሕ ኣሎ ዕዮ፣

    ኣምላኽ ብወዱ ዚኣልዮ፣

    ንዕየ ብተኣዛዝነት፣

    ነገልግል ብስኒት።

  2. 2. ሓደ ሓሳብ ’ተ ኣልዩና፡

    ወትሩ ለዋሃት ’ተ ዄንና፡

    ብፍቕሪ ምስ ’ንመላለስ፡

    ልብና ይሕጐስ።

    ሰላም’ያ እፎይታ፡

    ተምጽእ ደስታ።

    ንኣሕዋት እንተ ኣፍቂርና፡

    ኣምላኽ ሰላም ይህበና፣

    ሓድነትና’ውን ንሕሉ፣

    ንነብር ብቓሉ።