መዝሙር 101
ብሓድነት ንዕየ
(ኤፌሶን 4:3)
-
1. ያህ ናብ ደምበኡ ኣእትዩና፣
ካብ ዓለም’ውን ኣውጺኡና፣
ሓድነት፡ ሰላም ኣሎና፡
ሓጐስ ዜምጽኣልና።
ንሕብሕብ ሓድነት፣
ንፈቱ ስኒት።
ገና ብዙሕ ኣሎ ዕዮ፣
ኣምላኽ ብወዱ ዚኣልዮ፣
ንዕየ ብተኣዛዝነት፣
ነገልግል ብስኒት።
-
2. ሓደ ሓሳብ ’ተ ኣልዩና፡
ወትሩ ለዋሃት ’ተ ዄንና፡
ብፍቕሪ ምስ ’ንመላለስ፡
ልብና ይሕጐስ።
ሰላም’ያ እፎይታ፡
ተምጽእ ደስታ።
ንኣሕዋት እንተ ኣፍቂርና፡
ኣምላኽ ሰላም ይህበና፣
ሓድነትና’ውን ንሕሉ፣
ንነብር ብቓሉ።
(ሚክ. 2:12፣ ጸፎ. 3:9፣ 1 ቈረ. 1:10 እውን ርአ።)