ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ኣብ መወዳእታኡ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኸብኩ።”

“ኣብ መወዳእታኡ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኸብኩ።”
  • ዓመተ ልደት፦ 1981
  • መበቈል ሃገር፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ታሪኽ፦ ሓሻሽ ወዲ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቨርጂንያ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ኣብ ጥቓ ሩባ ኦሃዮ እትርከብ፡ ህድእቲ ኸተማ ማውንድዝቪል እየ ተወሊደ። ካብ ኣርባዕተ ውሉዳት ካልኣይ እየ ነይረ፣ ስድራ ቤትና፡ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ዝሓቘፈት እያ ነይራ፣ ቤትና ኸኣ ሓጐስ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ወለደይ ጻዕራማትን ሓቀኛታትን ፈተውቲ ሰባትን እዮም ነይሮም። ሃብታማት እኳ እንተ ዘይነበርና፡ ዜድልየና ነገራት ግና ስኢንና ኣይንፈልጥን ኢና። ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃኖም መጠን፡ ካብ ንእስነትና ኣትሒዞም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬስርጹልና ዚከኣሎም ገይሮም እዮም።

ይኹን እምበር፡ በጽሒ ምስ ኰንኩ፡ ልበይ ድሮ ኻብቲ እተመሃርክዎ ነገራት ኬስግል ጀሚሩ ነበረ። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምራሕ ህይወት ምንባር፡ ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን እንተ ዀይኑ ኽጠራጠር ጀመርኩ። ብሓቂ ንኽትሕጐስ ዜኽእል እንኮ መገዲ፡ ዝደለኻዮ ናይ ምግባር ናጽነት ምርካብ ይመስለኒ ነበረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድ ኣቋረጽክዎ። ምዕባየይ ሓወይን ምንኣሰይ ሓብተይን እውን ልክዕ ከማይ ዓለዉ። ወለደይ ንኺሕግዙና ዚከኣሎም እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ንሕና ግና ንጻዕሮም ነጸግናዮ።

እቲ ዝምነዮ ዝነበርኩ ናጽነት፡ ናብ ጐዳኢ ኣመላት ከም ዚመርሓኒ ኣይተገንዘብኩን ነይረ። ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ ሓደ ዓርከይ ሽጋራ ሃበኒ። ኣነ ኸኣ ተቐበልክዎ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዘ፡ ብዙሕ ጐዳኢ ኣመላት ጀመርኩ። ሓሽሽ እወስድን ኣልኮላዊ መስተ አብዝሕን ርኹስ ናብራ እነብርን ነበርኩ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ሓያሎ ዓመታት፡ ቀስ ብቐስ ሓያል ሓሽሽ እወስድ ስለ ዝነበርኩ፡ ባርያ እተፈላለየ ዓይነት ሓሽሽ ኰንኩ። እቲ ዝነበረኒ ወልፍታት እናወሰኸ ስለ ዝኸደ ድማ፡ ንገዛእ ርእሰይ ንምድጋፍ ሓሽሽ ክሸይጥ ጀመርኩ።

ንሕልናይ ዕሽሽ ክብሎ ብዝጸዓርኩ መጠን፡ ኣነባብራይ ጌጋ ምዃኑ ወትሩ የዘኻኽረኒ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኽመልሶ ዘይክእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ተስፋ ቘረጽኩ። ኣብ ፓርቲታትን ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢታትን ብሰባት ተኸቢበ እኳ እንተ ነበርኩ፡ መብዛሕትኡ እዋን ጽምዋን ጭንቀትን ይስምዓኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ወለደይ ክሳዕ ክንደይ እሩማትን ጥዑያትን ምዃኖም እሓስብ ነበርኩ፣ ክሳዕ ክንደይ መገደይ ስሒተ ምንባረይ ከኣ የገርመኒ ነበረ።

  መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ዋላ እኳ ኣነ ብገዛእ ርእሰይ ተስፋ እንተ ቘረጽኩ፡ ካልኦት ግና ብኣይ ተስፋ ኣይቈረጹን ነይሮም። ብ2000 ወለደይ ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓደሙኒ። እናተወላወልኩ ድማ ምስኦም ከድኩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቶም መገዶም ስሒቶም ዝነበሩ ኣሕዋተይ እውን ናብቲ ኣኼባ መጹ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኸለኹ፡ ቅድሚ ዓመት ኣብቲ ቦታ እቲ ኣብ እተገብረ ናይ ሮክ ሙዚቃዊ ምርኢት መጺአ ኸም ዝነበርኩ ዘከርኩ። እቲ ዝረኣኽዎ ፍልልይ ከኣ ውሽጠይ ተንከፈኒ። ኣብቲ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ እቲ ቦታ ብጐሓፍ ጋዕዝዩን ብትኪ ሽጋራ ተበኪሉን ነበረ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ከኣ፡ ሕሱማት እዮም ነይሮም፣ መልእኽቲ እቲ ሙዚቃ እውን ዜጨንቕ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ግና፡ ብሓቂ ሕጉሳት ብዝዀኑ ሰባት እየ ተኸቢበ ነይረ፣ ካብ ዝርእዮም ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ንሳቶም ግና ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበሉኒ። እቲ መአከቢ ጽሩይ፡ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መልእኽቲ ድማ ተስፋ ዚህብ እዩ ነይሩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዘለዎ ኣወንታዊ ጽልዋ ምስ ረኣኽዎ፡ ስለምንታይ ከም ዝነጸግክዎ ኽሓስብ ጀመርኩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሽሽ ንኸይወስድን ንኸይሸይጥን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝሓሽኩ ሰብ ንክኸውን እውን ሓጊዙኒ እዩ””

ደድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽምለስ ወሰንኩ። እቶም ኣሕዋተይ እውን በቲ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዝረኣይዎ ተደሪኾም፡ ኪምለሱ ወሰኑ። ሰለስቴና ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ጀመርና።

ልዕሊ ዅሉ ዝተንከፈትኒ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ያእቆብ 4:8 እያ ነይራ፣ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ድማ ትብል። ናብ ኣምላኽ ክቐርብ እንተ ደልየ፡ ህይወተይ ከተዓራሪ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ሓሽሽ ምውሳድን ካልእ ነገራትን ከቋርጽ ነበረኒ።—2 ቈረንቶስ 7:1

ነቲ ምስቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋሪጸ፡ ምስ ኣምለኽቲ የሆዋ ተዓራረኽኩ። ብፍላይ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ክርስትያን ሽማግለ፡ ኣዝዩ ሓጊዙኒ እዩ። ኵሉ ሳዕ ይድውለለይን ይበጽሓንን ነበረ። ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኸይ ድማ እዩ።

ኣብ ጽድያ 2001፡ ርእሰይ ንኣምላኽ ወፍየ ተጠመቕኩ፣ ክልቲኦም ኣሕዋተይ እውን ተጠምቁ። ኣብ መወዳእታኡ ስድራ ቤትና ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ምስ ሓበረት፡ ወለደይን እቲ ንእሽቶ ሓወይን ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ ኽትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀያዲ ዀይኑ ይስምዓኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግና ከም መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕቝባ ገይረ እየ ዝርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሽሽ ንኸይወስድን ንኸይሸይጥን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝሓሽኩ ሰብ ንክኸውን እውን ሓጊዙኒ እዩ።

ኣባል እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንሓድሕዶም ብሓቂ ይፋቐሩ እዮም፣ ንኣምላኽ ድማ ብሓድነት እዮም ዜገልግልዎ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ካብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት፡ ነታ ኣዝየ ዘፍቅራን ዘኽብራን ኣድርያን ሰበይተይ ስለ ዝረኸብክዋ፡ ኣዝየ ተባሪኸ እየ። ብሓባር ኴንና ንፈጣሪና ምግልጋልና የሐጕሰና እዩ።

ሕጂ ስስዐ ዝመልኦ ህይወት ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ካብ ቃል ኣምላኽ ጥቕሚ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ብፍታው እምህሮም ኣለኹ። እዚ ዕዮ እዚ፡ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣለይ። መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ከም ዝቐየሮ ኣፈይ መሊአ ኽዛረብ እኽእል እየ። ኣብ መወዳእታኡ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኺበ እየ።