ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ይኣትዉ ነይሮም ድዮም፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ይኣትዉ ነይሮም ድዮም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ይኣትዉ ነይሮም ድዮም፧

▪ የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ንኣገልግሎቶም ኪፍጽምዎ ኸም ዘለዎም ንጹር መምርሒ እኳ እንተ ሃቦም፡ ፖለቲካዊ ምኽሪ ግና ኣይሃቦምን። (ማቴዎስ 28:18-20) ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ በቲ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ዚብል ንሱ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ስርዓት እዮም ዚመላለሱ ነይሮም።—ማርቆስ 12:17

እቲ ስርዓት እቲ፡ ንሰዓብቲ የሱስ ኣብ ዓለም እናነበሩ ኽነሶም ካብ ዓለም ንኸይኰኑ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ ኣየናይ ናይ መንግስቲ ወይ ቄሳር፡ ኣየናይ ከኣ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ፈልዮም ኪፈልጡ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ፖለቲካ ምእታው፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ስርዓት ከም ምጥሓስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ቢዮንድ ጉድ ኢንተንሽንስ—ኤ ቢብሊካል ቪው ኦቭ ፖለቲክስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ጳውሎስ ነቲ ዝነበሮ ሮማዊ ዜግነት ተጠቒሙ፡ ኣብ ፍርዳዊ ጕዳያት ንርእሱ ኼዕቍባ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዝነበረ ንህዝባዊ ፖሊሲታት ዚምልከት ፖለቲካዊ ጕዳያት ኣይኣተወን” በለት።

ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ እንታይ መምርሒ እዩ ሂብዎም፧ እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መጽሓፍ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ነቶም ኣብ ከም ቈረንቶስ፡ ኤፌሶን፡ እንተላይ ኣብ ከም ሮሜ ዝኣመሰላ ቐንዲ ኸተማታት ዝነበሩ ኣመንቲ ኣብ ዝለኣኸን መልእኽትታት፡ ፈጺሙ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣይጠቐሰን” በለት። ብዘይካዚ፡ እታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ጳውሎስ “ነተን ኣብ ከከባቢኡ ዝነበራ ኣብያተ ክርስትያን ንመንግስትታት ኪግዝኣ እኳ እንተ ኣዘዘን፡ ኣብተን ዝጸሓፈን መልእኽትታት ግና፡ ኣብ ፖሊሲታት ፖለቲካዊ ትካላት ኪሳተፋ ኣየተባብዐንን።”—ሮሜ 12:18፣ 13:1, 5-7

ድሕሪ ሞት ጳውሎስ ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሖም ዝነበሩ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽን ንመንግስትን ዘለዎም ግዴታ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኣኽብሮት እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ ፖለቲካ ግና ኣይኣትዉን እዮም ነይሮም። እታ ቢዮንድ ጉድ ኢንተሽንስ እትብሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እቶም ኣመንቲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይ ምኽባር ግዴታ ኸም ዘለዎም ይኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ግና ኢዶም ኣየእትዉን እዮም ነይሮም” በለት።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ኣስታት 300 ዓመት ጸኒሑ፡ ነገራት ተቐያየረ። ቻርለስ ቢያ-ቢሰንስዮ ዝስሙ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ “ኣብ ትሕቲ ቆስጣንጢኖስ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቕርጺ ምስ ተቐየረ፡ ክርስትያናት ኣብ ሲቭላዊ ኣገልግሎትን ኣብ ውትህድርናን ኪካፈሉ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ድማ ኪሕዙ ጀመሩ” በለ። (ቢትዊን ክራይስት ኤንድ ሲዛር) እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን ተሓዋዊሱ፡ ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሃገራዊ ሃይማኖት መስረተ።

ሎሚ ዘለዋ ንክርስቶስ ከም ዚስዕባኦ ዚዛረባ ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ንኣባላተን ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉ የተባብዓኦም ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ኰነ ኣስኣሰር እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣይኰናን ዚስዕባ ዘለዋ።