ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ መን እዩ፧

“ናብ የሩሳሌም ምስ አተወ፡ እታ ኸተማ ብዘላ፤ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት። እቶም ህዝቢ ድማ፤ እዚ ነብዪ የሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ።”—ማቴዎስ 21:10, 11

ብ33 ድ.ክ.፡ ኣብ እዋን ጽድያ፡ የሱስ ክርስቶስ * ናብ የሩሳሌም ምእታዉ፡ ክሳዕ ክንድዚ ነውጺ ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሓት ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ ተኣምራቱን ሰሚዖም ነበሩ። ንኻልኦት እውን ብዛዕባኡ ይነግሩ ነበሩ። (ዮሃንስ 12:17-19) ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ፡ ጽልዋኡ ኣብ መላእ ዓለም ክሳዕ እዚ ግዜና ዚዝርጋሕ ሰብኣይ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኣይተረድኡን ነይሮም።

ገለ ኻብቲ የሱስ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዘሕደሮ ሰፊሕ ጽልዋ እስከ ንርአ።

▪ ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም ዚዝውተር ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ኣብቲ የሱስ ተወሊዱ ተባሂሉ ዚእመነሉ ዓመት እተመስረተ እዩ።

▪ ኣስታት ክልተ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት፡ ማለት ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለም፡ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ይዛረቡ እዮም።

▪ ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ሃይማኖት እስላም፡ የሱስ “ካብ ኣብርሃምን ኖህን ሙሴን ዚዓቢ ነብዪ” ምዃኑ ይምህር እዩ።

▪ ሓያሎ ኻብቲ የሱስ እተዛረቦ ጥበብ ዝሓዘለ ብሂላት፡ ብእተፈላለየ መልክዑ ኣብ መዓልታዊ ዘረባ ተኣታትዩ ኣሎ። ገለ ኻብኡ፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦

‘የማንካ ንዚጸፍዓካ፡ ጸጋምካ ምለሰሉ።’ማቴዎስ 5:39

“ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን።” ማቴዎስ 6:24

“ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።”ማቴዎስ 7:1

“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”ማቴዎስ 7:12

“ሀቡ ኺውሀበኩም።”ሉቃስ 6:38

የሱስ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሰባት ብዛዕባኡ ኣመና እተፈላለየ ሓሳባትን እምነታትን እዩ ዘለዎም። ስለዚ፡ ‘የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ መን እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። የሱስ ካበይ ከም ዝመጸን እንታይ ከም ዝገበረን ስለምንታይ ከም ዝሞተን ኪነግረና ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ነዚ ሓቅታት እዚ ምፍላጥካ፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ህይወትካ ሓያል ጽልዋ ኼሕድረልካ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ናዝሬታዊ ነብዪ ዚጽውዓሉ “የሱስ” ዚብል ስም፡ “የሆዋ ምድሓን እዩ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። እታ “ክርስቶስ” እትብል ቃል፡ “ቅቡእ” ዝትርጕማ መዓርግ ክትከውን ከላ፡ የሱስ ንሓላፍነት ብኣምላኽ እተቐብአ ወይ እተሸመ ኸም ዝዀነ ተመልክት።