ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኪንዝሊ ኺገብሮ እንተ ኽኢሉ እሞ፡ ኣነ እውን እኽእሎ እየ!”

“ኪንዝሊ ኺገብሮ እንተ ኽኢሉ እሞ፡ ኣነ እውን እኽእሎ እየ!”

ኪንዝሊ ኣብ መንኩቡ ምስ ተተንከፈ፡ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እተዋህቦ ናይ መጀመርታ ኽፍሊ ኬቕርብ ጀመረ፣ እቲ ኽፍሊ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ዋላ ሓንቲ ኸይተጋገየ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቃል ተጠንቂቑ ኣንበባ። ስለምንታይ እዩ ግና ካብ መጽሓፍ ቅዱሱ ብቐጥታ ዘየንብብ ዘሎ፧

እዚ ወዲ ስሪ ላንካ ዝዀነ ኪንዝሊ፡ ዓይነ ስዉር እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽሙምን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ብሽክለታ ስንኩላን ዚጥቀምን እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪምዝገብን ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ምስ ኪንዝሊ ንፈለማ ኣብ እተራኸብናሉ እዋን፡ በቲ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ጽምኢ ኣዝየ እየ ተገሪመ። ድሮ ምስ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽኒዑ ነይሩ እዩ፣ እታ ብብረይል እተዳለወት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፉ ድማ ኣዝያ ኣሪጋ ነበረት። * ብሓባር ኴንና እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ንዘቕረብኩሉ ዕድመ እኳ እንተ ተቐበሎ፡ ክልተ ጸገም ግና ኣጋጠመና።

ቀዳማይ፡ ኪንዝሊ ኣብቲ ሓያሎ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ስንኩላንን ዚቕመጡሉ ትካል እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ዋዕዋዕታ ስለ ዝነበረ፡ ኪንዝሊ ድማ እዝኑ ይጻንዖ ስለ ዝነበረ፡ ዓው ኢለ ኽዛረቦ ነበረኒ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ሰሙናዊ መጽናዕትና፡ ኵሉ ሰብ እዩ ዚሰምዖ ነይሩ።

ካልኣይ፡ ኪንዝሊ ኻብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ሒደት ሓበሬታ ጥራይ እዩ ኼንብብን ኣብ ኣእምሮኡ ኺሕዝን ዚኽእል ነይሩ። መጽናዕትና ፍረ ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብትግሃት እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ኣቐዲሙ ነቲ እነጽንዖ ሕታም ደጋጊሙ የንብቦ፣ ነቲ ጥቕስታት ድማ ካብቲ ብብረይል እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሱ የንብቦ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኣብ ኣእምሮኡ ይሕዞ። እዚ ሜላ እዚ ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኸብናዮ ኢና። ከነጽንዕ ከለና፡ እግሩ ኣጣሚሩ ኣብ ምንጻፍ ኮፍ ይብል እሞ፡ ኣብቲ ባይታ እናጠብጠበ ብዛዕባ እቲ እተማህሮ ነገራት ዓው ኢሉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ከነጽንዕ ጀመርና፣ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ድማ ክልተ ሰዓት ይወስደልና ነይሩ።

ኣብ ኣኼባ ምእካብን ምስታፍን

ኪንዝሊን ፖልን

ኪንዝሊ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባ ኺእከብ ተሃንጥዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግና ቐሊል ኣይኰነን ነይሩ። ብዘይ ሓገዝ ካልኦት ሰባት፡ ናብታ ብሽክለታ ስንኩላን ኰነ ናብ ማኪና ኺድይብን ኪወርድን፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኪኣቱን ኪወጽእን ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ንዕኡ ምድጋፍ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ በብተራ ይሕግዝዎ ነይሮም። እቲ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ፡ ኪንዝሊ ኣብ ጥቓ እዝኑ መጕልሕ ድምጺ ብምሓዝ፡ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ፣ አረ ሓሳብ እውን ይህብ ነይሩ እዩ።

ኪንዝሊ ንእተወሰነ እዋን ምስ ኣጽንዐ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪምዝገብ ወሰነ። ነታ ናይ መጀመርታ ኽፍሉ ዝነበረት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምቕራቡ ኽልተ ሰሙን ይገብር፡ ይለማመድ እንተ ኣልዩ ሓተትክዎ። ብምትእምማን ድማ፡ “እወ ሓውና፡ ዳርጋ 30 ሳዕ እየ ተለማሚደያ” በለኒ። ስለቲ ጻዕሩ ምስ ነኣድክዎ፡ ነቲ ንባብ ኬስምዓኒ ሓተትክዎ። መጽሓፍ ቅዱሱ ገንጺሉ፡ ኣብቲ ብብረይል እተዳለወ ጽሑፍ ኢዱ ድሕሪ ምንባር፡ ኬንብብ ጀመረ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ቕድሚኡ ኻብቲ ብረይል ኬንብብ ከሎ ዚገብሮ፡ ኢዱ ይንቀሳቐስ ከም ዘየለ ኣስተብሃልኩ። ለካስ ንብምሉኡ እቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሸምዲድዎ እዩ።

ክኣምን ስለ ዘይከኣልኩ፡ ንብዓት ብምዕጕርተይ እናወረደ እጥምቶ ነበርኩ። ሰላሳ ሳዕ ጥራይ ተለማሚዱ ኽነሱ፡ ጽቡቕ ገይሩ ኼንብብ ዝኸኣለ ብኸመይ ምዃኑ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “ሰላሳ ሳዕ ጥራይ እኮ ኣይኰነን፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እኮ እየ ዳርጋ 30 ሳዕ ዝለማመደሉ” በለኒ። ኪንዝሊ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ምንጻፉ ኾፍ ኢሉ፡ ነቲ ንባብ ክሳዕ ዚሽምድዶ ብተደጋጋሚ እዩ ኣንቢብዎ።

እታ ኪንዝሊ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኽፍሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ኣኸለት። ኪንዝሊ ኽፍሉ ምስ ዛዘመ፡ እታ ጉባኤ ድሙቕ ጣቕዒት ኣጣቕዐት፣ ብዙሓት ድማ ብቘራጽነት እዚ ሓድሽ ተመሃራይ እዚ ነብዑ። ሓንቲ ብምኽንያት ፍርሂ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ምቕራብ ኣቋሪጻ ዝነበረት ኣስፋሒት፡ እንደገና ተመዝገበት። ስለምንታይ፧ ንሳ፡ “ኪንዝሊ ኺገብሮ እንተ ኽኢሉ እሞ፡ ኣነ እውን እኽእሎ እየ!” በለት።

ምስ ኪንዝሊ ንሰለስተ ዓመት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕና፡ ብ6 መስከረም 2008 ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ብ13 ግንቦት 2014 ክሳዕ ዚመውት ድማ፡ እሙን ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ፣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ምሉእ ብርታዐን ፍጹም ጥዕናን ሃልይዎ ብተኣማንነት ኣገልግሎቱ ኸም ዚቕጽል ከኣ ይተኣማመን ነበረ። (ኢሳ. 35:5, 6)—ፖል ማክማኑስ ዘዘንተዎ።

^ ሕ.ጽ. 4 ብ1995 እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።