ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ

ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብ2013 ልዕሊ 198 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ብዓሶ ኸም እተታሕዙ፡ 584,000 ዚዀኑ ኸኣ ብሰንኩ ኸም ዚሞቱ ይግምት። ዳርጋ 4 ኻብ 5 እቶም ግዳያት፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዚዕድሚኦም ቈልዑ እዮም ነይሮም። እቲ ሕማም ኣብ መላእ ዓለም፡ ሚእቲ ኣብ ዝዀና ሃገራትን ክልታትን ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ ንህይወት ኣስታት 3.2 ቢልዮን ሰባት ዜስግእ እዩ።

1 ዓሶ እንታይ እዩ፧

ዓሶ ብተህዋስ ዚመጽእ ሕማም እዩ። ምልክታቱ ኸኣ፡ ረስኒ፡ ምቝራር፡ ረሃጽ፡ ሕማም ርእሲ፡ ምቕንዛው ጭዋዳታት፡ ዕግርግር ምባል፡ ተምላስ የጠቓልል። ሓድሓደ ግዜ እቲ ምልክታት፡ ካብ 48 ክሳዕ 72 ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ጸጸኒሑ ኺርአ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዓይነት እቲ ተህዋስን እቲ ሕማም ኣብቲ ሰብ ኣብ ዚጸንሓሉ ግዜን እዩ ዚምርኰስ።

2 ዓሶ ብኸመይ እዩ ዜስፋሕፍሕ፧

  1. እቶም ተህዋስ—ፕላዝሞድያ ተባሂሎም ዚጽዋዑ ሓደ ዝዋህዮኦም ደቀቕቲ ህይወታውያን (ፕሮቶዞዋ)—ኣኖፈሊስ እትብሃል ጣንጡ ንሓደ ሰብ ምስ ነኸሰቶ፡ ኣብ ደም እቲ ሰብ ይኣትዉ።

  2. እቶም ተህዋስ ናብ ዋህዮታት ጸላም ከብዲ እቲ ዝሓመመ ሰብ ኣትዮም ይራብሑ።

  3. ዋህዮ እታ ጸላም ከብዲ ምስ ነትዐ ድማ፡ እቶም ተህዋስ ይዝርግሑ እሞ ንቐያሕቲ ዋህዮታት እቲ ሰብ ይወርሩ። ኣብኡ ኸኣ ይራብሑ።

  4. ቀያሕቲ ዋህዮታት ምስ ነትዐ ኸኣ፡ እቶም ተህዋስ ይዝርግሑ፡ ንኻልኦት ቀያሕቲ ዋህዮታት ከኣ ይወርሩ።

  5. እቲ ናይ ምውራርን ናይ ምንታዕን ዑደት ከምኡ እናበለ ይቕጽል። እቶም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ኣብ ዚነትዓሉ ህሞት፡ ኣብቲ በዚ እተታሕዘ ሰብ ምልክታት ዓሶ ይርአ።

3 ንሕማም ዓሶ ብኸመይ ክትከላኸሎ ትኽእል፧

ዓሶ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ትነብር እንተ ዄንካ . . .

  • ኣብ ዓራትካ ሰኪዔት መከላኸሊ ጣንጡ ተጠቐም። እቲ ሰኪዐት ከኣ

    • ፈውሲ ሓሸራ ኺግበረሉ ኣለዎ።

    • ቀዳዳት ኪህልዎ የብሉን።

    • ምሉእ ብምሉእ ብትሕቲ ፍርናሽ ኪጽቀጥ ኣለዎ።

  • ንቤትካ ፍሊት ንፍሓሉ።

  • እንተ ተኻኢሉ ኣብ መዓጹን ኣብ መሳዅትን መጋረጃ ወይ መንፊት ተጠቐም፡ መዝሓሊ ኣየርን ቨንቲላቶረን (መንበድበዲት) ተጠቐም፣ እዚ ንጣንጡ ኸም ዚወጹ እዩ ዚገብሮም።

  • ንዅሉ ሰብነትካ ምሉእ ብምሉእ ዚሽፍን ጻዕዳ ኽዳን ተኸደን።

  • ጣሻ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ጣንጡ ብብዝሒ ስለ ዚርከባ፡ ማይ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ኸኣ ስለ ዚራብሓ፡ ብእተኻእለ መጠን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ ርሓቕ።

  • ዓሶ እንተ ሒዙካ፡ ቀልጢፍካ ተሓከም።

ዓሶ ናብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ክትገይሽ እንተ መዲብካ . . .

  • ቅድሚ ምጋሽካ እዋናዊ ሓበሬታ ርኸብ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ልሙድ ዝዀነ ተህዋስ፡ ካብቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዘሎ ተህዋስ እተፈልየ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ እቲ ዚእዘዘልካ ዝያዳ ውጽኢታዊ መድሃኒት ብእኡ እዩ ዚውሰን። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ጥዕናኻ ብዚምልከት ክትፈልጦ ዜድልየካ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ምስ ሓኪምካ ኽትዘራረበሉ ጥበባዊ እዩ።

  • ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸናሕካሉ እዋን፡ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዓሶ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ንዚነብሩ ሰባት እተዋህበ መምርሒ ስዓቦ።

  • ዓሶ እንተ ሒዙካ፡ ቀልጢፍካ ተሓከም። ዓሶ ምስ ሓዘካ እቲ ምልክታት ካብ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ኣርባዕተ ሰሙን ኪጸንሕ ከም ዚኽእል ፍለጥ።