ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ

ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ

ብሃንደበት ብገጸይ ተደፊአ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ ጸምበለል ክብል ጀመርኩ። ቅንዕ ኢለ ኸስተንፍስ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ጭዋዳታት ክሳደይ ምንቅስቓስ ኣበየኒ። ኣዝየ ስለ ዝፈራህኩ፡ ክግምጠል ፈተንኩ፣ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ግና ዕጭ ሓንፈፈ። ሳናቡአይ ብማይ ኪመልእ ጀመረ። ኣብታ ብ1991 ዝነበረት ምውቕቲ መዓልቲ ድማ፡ ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ።

ኣብ ከተማ ሰረንች እየ ተወሊደ፣ ኣብታ ቲሰለዳን እትብሃል ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሃንጋሪ እትርከብ ቍሸት ድማ ዓበኹ። ኣብ ሰነ 1991 ኣነን ኣዕሩኸይን ናብ ሓደ ኣብ ሩባ ቲሳ ዚርከብ ዘይንፈልጦ ቦታ ኸድና። እቲ ሩባ ዓሚቝ ስለ ዝመሰለኒ፡ ዘሊለ ኣተኹ። ዓብዪ ጌጋ እየ ገይረ። ብሰንኩ ኸኣ፡ ኣብ ክሳደይ ዚርከብ ሰለስተ ዓጽሚ ዓንዲ ሕቘይ ተሰብረ፣ ዕትብቲ ዓንዲ ሕቘይ እውን ተጐድአ። ሓደ ኻብቶም ኣዕሩኸይ፡ ክንቀሳቐስ ከም ዘይከኣልኩ ምስ ረኣየ፡ ተጠንቂቑ ኻብቲ ሩባ ኣውጽኣኒ።

ሃለዋተይ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘየጥፋእኩ፡ ገለ ኸቢድ ጕድኣት ከም ዘጋጠመኒ ፈለጥኩ። ሓደ ሰብ ናብ ህጹጽ ረድኤት ስለ ዝደወለ፡ ሄሊኮፕተር መጺኣ ናብ ሆስፒታል ወሰደትኒ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ዝያዳ ጕድኣት ምእንቲ ኸየጋጥመኒ፡ ሓካይም ኣብ ዓንዲ ሕቘይ መጥባሕቲ ገበሩለይ። ጸኒሐ ናብታ ርእሰ ኸተማ ሃንጋሪ ዝዀነት ቡዳፐስት ብምግዓዝ፡ ጥዕናይ ኣብ ዝከታተለሉ ትካል ክነብር ጀመርኩ። ንሰለስተ ወርሒ ብዝባነይ ጥራይ እየ ዝድቅስ ነይረ። ርእሰይ ከንቀሳቕስ እኽእል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብ መንኵበይ ንታሕቲ ንዘሎ ጭዋዳታተይ ግና ክቈጻጸሮ ኣይክእልን እየ ነይረ። ወዲ 20 ዓመት ክነሰይ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልኦት እየ ዝምርኰስ ነይረ። እዚ ተስፋ ስለ ዘቝረጸኒ ድማ፡ ክመውት እደሊ ነበርኩ።

ኣብ መወዳእታኡ ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ፡ ወለደይ ንዓይ ምእንቲ ኺከናኸኑኒ፡ ስልጠና ወሰዱ። ኰይኑ ግና፡ ብኣካላዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ኣዝዩ ስለ ዝኸበዶም፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ጭንቀት ሓዘኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝረኸብክዎ ሞያዊ ምኽሪ፡ ብዛዕባ ስንክልናይ ዘሎኒ ኣረኣእያ ንክቕይር ሓገዘኒ።

ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣዕሚቘ ኽሓስብ ጀመርኩ። ‘ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ እዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ ዘጋጠመኒ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓትት ነበርኩ። መልሲ ምእንቲ ኽረክብ፡ መጽሔታትን መጻሕፍትን ኣንበብኩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከንብብ ፈቲነ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንኽርድኦ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደኒ፡ ንንባበይ ኣቋረጽክዎ። ንሓደ ቐሺ እውን ኣዘራሪበዮ ነይረ እየ፣ መልሱ ግና ዋላ ሓንቲ ኼዕግበኒ ኣይከኣለን።

ድሕሪኡ፡ ብ1994 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣቦይ ኪበጽሕዎ መጹ፣ ንሱ ድማ ንዓይ ኬዘራርቡኒ ሓተቶም። ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ንምግባር፡ ንሕማምን ንመከራን ድማ ንምጥፋእ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኺነግሩኒ ኸለዉ፡ ጽን ኢለ ሰማዕክዎም። እቲ ዝነገሩኒ ነገራት ባህ ዜብል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣጠራጠረኒ። ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዛ ኽልተ መጽሓፍ ግና ተቐበልክዎም። ነተን መጻሕፍቲ ምስ ኣንበብክወን፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመርሑለይ ሓተቱኒ፣ ኣነ ኸኣ “ሕራይ” በልክዎም። ንኽጽሊ እውን ኣተባብዑኒ።

ኣምላኽ ብዛዕባይ ብሓቂ ኸም ዚግደስ ኣመንኩ

ኣብቲ እንገብሮ ዝነበርና ምይይጥ፡ ነቲ ዝነበረኒ ብዙሕ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ረኸብኩሉ። ኣምላኽ ብዛዕባይ ብሓቂ ኸም ዚግደስ እውን ኣመንኩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ንኽልተ ዓመት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕኩ፡ ብ13 መስከረም 1997 ኣብ ቤተይ ኣብ ዚርከብ ባስካ ተጠመቕኩ። ኣብ ህይወተይ ኣዝየ እተሓጐስኩላ መዓልቲ እያ ነይራ።

ብ2007 ናብቲ ኣብ ቡዳፐስት ዚርከብ መእለዪ ስንኩላን ጠቕሊለ ገዓዝኩ። በዚ ኸምዚ ድማ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ እተመሃርክዎ ዜደንቕ ነገራት ንኽነግሮም ዜኽእለኒ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ረኸብኩ። ጽቡቕ ኵነታት ኣየር ኪህሉ ኸሎ እሞ ኸኣ፡ በታ ብመንከሰይ ዝቈጻጸራ ብሞተር እትሰርሕ ፍልይቲ ብሽክለታ ስንኩላን ገይረ ናብ ደገ ብምውጻእ፡ ምስ ሰባት እዘራረብ እየ።

ሓንቲ ኣብ ጉባኤና ዘላ ስድራ ቤት ሳላ ዝገበረትለይ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ንምንቅስቓስ ርእሰይ እተለሊ ላፕቶፕ ኮምፕዩተር ክዕድግ ከኣልኩ። እዛ ኮምፕዩተር እዚኣ፡ ብኢንተርነት ኣቢለ ናብ ሰባት ተሌፎን ንኽድውል ትሕግዝኒ እያ፣ ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣባላት ጉባኤና ናብ ቤቶም ከይዶም ክረኽብዎም ዘይከኣሉ ሰብ ቤት፡ በታ ኮምፕዩተረይ ገይረ ደብዳበ እጽሕፈሎም እየ። በዚ መገዲ እዚ ንኻልኦት ምሕጋዘይ፡ ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለተይ ኣዝዩ ኣመሓይሽዎን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይጭነቕ ሓጊዙንን እዩ።

በታ ንምንቅስቓስ ርእሰይ እተለሊ ኮምፕዩተር ገይረ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኢንተርነት ከመሓላልፍ ከለኹ

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ክእከብ እኽእል እየ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክበጽሕ ከለኹ፡ መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ኣብታ ብሽክለታ ስንኩላን ከለኹ ናብቲ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ዚርከብ መአከቢ ብጥንቃቐ ተሰኪሞም ይወስዱኒ። እቲ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ፡ ሰማዕቲ ሓሳብ ንኺህቡ ምስ ተዓደሙ፡ እቲ ኣብ ጥቓይ ዘሎ ሓው ኣብ ክንዳይ ኢዱ ሓፍ የብለለይ። ሓሳብ ክህብ ከለኹ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱሰይ ወይ ጽሑፋተይ ይሕዘለይ።

ኵሉ ሳዕ ቃንዛ ስለ ዚስምዓኒ፡ ዳርጋ ዅሉ ነገር ካልእ ሰብ እዩ ዚገብረለይ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓድሓደ ሳዕ ስምዒተይ ይጕዳእ እዩ። እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎኒ ዕርክነት ግና የጸናንዓኒ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐኒ ነገራት ኽነግሮ ኸለኹ ኸም ዚሰምዓኒ እፈልጥ እየ። በብመዓልቱ ዝገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ምንጪ ብርታዐ እዮም ዚዀኑኒ። ዕርክነቶምን ስምዒታዊ ደገፎምን ምእንታይ ኢሎም ዜቕርብዎ ጸሎትን፡ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ሚዛነይ ንኽሕሉ ይሕግዘኒ እዩ።

የሆዋ ኣብ ዜድልየኒ እዋን ኣጸናኒዑኒ እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ፍጹም ጥዕና ኸም ዚህልወኒ ዚገልጽ ተስፋ እውን ሂቡኒ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብእግረይ ‘ዝዛወረሉን ዝሰራሰረሉን፡’ ንየሆዋ ድማ ስለታ እተደንቕ ፍቕሩን ለውሃቱን ‘ዝውድሰሉ’ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:6-9