ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ጊየርሞ ፐረስ

ሓደ ኣማኻሪ ሕክምና መጥባሕቲ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ኣማኻሪ ሕክምና መጥባሕቲ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ዶክተር ጊየርሞ ፐረስ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ 700 ዓራት ዘለዎ ሆስፒታል፡ ሓላፊ ኽፍሊ ሕክምና መጥባሕቲ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እዩ ጡረታ ወጺኡ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፍልቀት እዩ ዚኣምን ነይሩ። ጸኒሑ ግና፡ ሰብነትና ብኣምላኽ ከም እተነድፈ ኣሚኑ እዩ። ንቕሑ! ብዛዕባ እምነቱ ሓቲታቶ ኣላ።

ስለምንታይ ኣብ ፍልቀት ትኣምን ከም ዝነበርካ እስከ ንገረና።

ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ካቶሊክ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እጠራጠር ነይረ። ንኣብነት፡ ንሰባት ኣብ ገሃነም ኣእትዩ ኣብ ዜሳቒ ኣምላኽ ክኣምን ከቢዱኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ፡ ህያዋን ነገራት ብኣምላኽ ከም ዘይተፈጥሩ፡ የግዳስ ብፍልቀት ከም ዝመጹ ምስ መሃሩኒ፡ እቲ ዝመሃሩኒ ትምህርቲ ብመርትዖ እተደገፈ ስለ ዝመሰለኒ ተቐቢለዮ። ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እውን እንተ ዀነት፡ ንፍልቀት ኣይትቃወሞን እያ፣ ኣምላኽ ብፍልቀት ተጠቒሙ ኸም ዝፈጠረ እያ እትኣምን።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትግደስ ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧

ሱሳና ሰበይተይ ምስ ናይ መሰኻኽር ኰይና መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት፣ ንሳቶም ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ኸም ዘየሳቕዮም ኣርኣዩዋ። a ኣምላኽ ንምድርና ናብ ገነት ኪቕይራ ኸም እተመባጽዐ እውን ኣርኣዩዋ። b በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣነን ሱሳናን ኪወሓጠልና ዚኽእል ትምህርቲ ኽንረክብ ክኢልና። ብ1989 ኒክ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሓኒ ጀሚሩ። ብዛዕባ ሰብነት ሰብን መበቈሉን ክንመያየጥ ከለና ድማ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እብራውያን 3:4 ዚርከብ ንኽትርድኦ ቐሊል ዝዀነ ሓሳብ ምስ ኣርኣየኒ ኣዝየ እየ ተደኒቐ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ” ትብል።

ብዛዕባ ሰብነት ሰብ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ፡ ብፍጥረት ንኽትኣምን ሓጊዙካዶ፧

እወ፡ ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሰብነትና ንገዛእ ርእሱ ዚጽግነሉ መገዲ፡ ብጥንቃቐ እተነድፈ እዩ። ነቲ ቝስሊ ዚሓውየሉ መገዲ ኸም ኣብነት ክንጠቕሶ ንኽእል ኢና፣ እዚ መስርሕ እዚ፡ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ደረጃ ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ድማ፡ ከም ሓኪም መጥባሕቲ መጠን፡ ኣብቲ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ኺጽግን ዚኽእል ሰብነት እሰርሕ ኸም ዘለኹ እዩ ዜዘኻኽረኒ።

ሰብነትና ኪቘስል ከሎ እንታይ ከም ዜጋጥም እስከ ንገረና።

ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት፡ እቲ ንምፍሳስ ደም ደው ንኼብሎ እተነድፈ ተኸታታሊ መስርሕ ስራሑ ይጅምር። እዚ መስርሕ እዚ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸን ስሉጥን እዩ። እቲ 100,000 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ሰራውር ደም ዜጠቓልል ስርዓተ ዙረት ደም፡ ንዜልሕዅ ነገር ኪዓብሶን ገዛእ ርእሱ ኺጽግንን ስለ ዚኽእል፡ መሃንድሳት ቡምባ ብእኡ ኣዝዮም እዮም ዚቐንኡ።

እቲ ቝስሊ ዚሓውየሉ ኻልኣይ ደረጃ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ምፍሳስ ደም ምስ ኣቋረጸ፡ ከባቢ እቲ ቝስሊ ኺሓብጥ ይጅምር። እቲ መስርሕ ምሕባጥ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ተኸታታሊ ፍጻመታት ዜጠቓልል እዩ። ፈለማ፡ እቲ ብዙሕ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ ተዀምቲሩ ዝነበረ ሰራውር ደም፡ ናብ ከባቢ እቲ ቝስሊ ብዙሕ ደም ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ኪገፍሕ ይጅምር። ቀጺሉ፡ ብፕሮቲን ዝበልጸገ ፈሳሲ ንኸባቢ እቲ ቝስሊ ኸም ዚሓብጥ ይገብሮ። እዚ ፈሳሲ እዚ፡ ርኽሰት ንምክልኻልን ንመርዚ ኸም ዚቐጥን ንምግባርን ንእተጐድአ ኣካሊት (ቲሹ) ንምውጋድን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ፍሉያት ሞለክዩላትን ዋህዮታትን ብተኸታታሊ ኺዳለዉ ኣለዎም። ገሊኡ መስርሕ፡ ነቲ ቝስሊ ዚሓውየሉ ቐጺሉ ዘሎ ደረጃ ኸም ዚነቓቓሕ ድሕሪ ምግባር፡ ስራሑ የቋርጽ።

ኣብቲ ቝስሊ ናይ ምሕዋይ መስርሕ፡ ቀጺሉ እንታይ የጋጥም፧

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ ሰብነትና ነቲ እተጐድአ ኣካልና ዚጽግን ነገራት ኬዳሉ ይጅምር፣ እዚ መስርሕ እዚ፡ እቲ ቝስሊ ዚሓውየሉ ሳልሳይ ደረጃ እዩ፣ ክሳዕ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኸኣ ይቕጽል። ኣብ ዙርያ እቲ ቝስሊ ኸም ጽሕጊ ዝዓይነቱ ሽፋን ዚሰርሑ ዋህዮታት ናብቲ እተጐድአ ኸባቢ ብምኻድ ይባዝሑ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እተጐድአ ኸባቢ፡ ጸበብቲ ሰራውር ደም ይባዝሑን ይዓብዩን፣ ኣብቲ ነቲ ዘየድሊ ነገራት ብምውጋድ ዚጽግኑሉ መስርሕ ድማ፡ ርስሓት ይኣልዩን ተወሳኺ ውሁድ የዳልዉን። ኣብ ካልእ ሕልኽልኽ ዝበለ ተኸታታሊ ፍጻመታት እውን፡ ነቲ ሃህ ኢሉ ዝነበረ ቚስሊ ኸም ዚገጥም ዚገብርዎ ፍሉያት ዓይነት ዋህዮታት ይዳለዉ እዮም።

ኣዝዩ ብዙሕ ዕዮ እዩ። እቲ ቝስሊ ንኺሓዊ ኽንደይ ይወስደሉ፧

እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝዀነ እንደገና ናይ ምህናጽ መስርሕ፡ ኣዋርሕ ኪወስድ ይኽእል እዩ። እተሰብረ ኣዕጽምቲ ናብቲ ናይ ቀደም ድልዳለኡ ይምለስ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ልስሉስ ኣካሊት ዝነበረ ጽሕጊ ዚመስል ናይ መጀመርታ መሸፈኒ ድማ፡ ብድልዱል መሸፈኒ ይቕየር። ስለዚ፡ እቲ ቝስሊ ዚሓውየሉ መስርሕ፡ ብልዑል ስርዓትን ስኒትን ዚሰርሕ ኣዝዩ ዜደንቕ መስርሕ እዩ።

ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣዝዩ ዘደነቐካ እትዝክሮ ኣብነት ኣሎዶ፧

ሰብነትና ንገዛእ ርእሱ ዚጽግነሉ መገዲ ኣዝዩ እዩ ኣደኒቑኒ

እወ። ከቢድ ሓደጋ ማኪና ንዘጋጠማ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ክሕክማ ኸለኹ ትዝ ይብለኒ። ናይታ ጓል ላልሽ ወይ ጣፍያ ተጀልዒፉ፡ ደማ ድማ ናብ ውሽጢ ይፈስስ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እያ ነይራ። ቅድሚ ዓመታት እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ብመጥባሕቲ ጌርና ነታ ላልሽ ክንጽግና ወይ ከነወግዳ ምጸዓርና። ሎሚ ግና ሓካይም፡ ብዝያዳ ኣብቲ ሰብነትና ዘለዎ ንገዛእ ርእሱ ናይ ምጽጋን ዓቕሚ እዮም ዚምርኰሱ። ኣነ እውን እንተ ዀንኩ ነታ ጓል፡ ነቲ ዝነበራ ረኽስን ነቲ ውሒድዋ ዝነበረ ፈሳስን ነቲ ዘጋጠማ ዋሕዲ ደምን ቃንዛን ጥራይ እየ ሓኪመላ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ስካን ምስ ገበርናላ፡ እታ ላልሽ ከም ዝሓወየት ክንፈልጥ ክኢልና። ሰብነትና ብኸመይ ንገዛእ ርእሱ ኸም ዚጽግን ምስ ረኣኹ፡ ኣዝየ እየ ተደኒቐ። ብኣምላኽ ከም እተነደፍና ድማ ብዝያዳ ኽኣምን ክኢለ እየ።

ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰሓበካ እንታይ እዩ፧

ምቕሉላት ኰይኖም ስለ ዝረኸብክዎም እዩ፣ ኵሉ ሳዕ ድማ ንሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚምልሱለይ። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እምነቶምን ብዛዕባ ኣምላኽን ብትብዓት ዚነግርዎም ምዃኖም የደንቐኒ እዩ።

ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ኣብ ስራሕካ ሓጊዙካዶ፧

እወ። ንኣብነት፡ እቶም ምስ ዝሓመሙ ወይ ምስ እተጐድኡ ሰባት ብቐጻሊ ዚራኸቡ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን፡ ብሰንኪ ስራሖም ከቢድ ስምዒታዊ ጸገም የጋጥሞም እዩ፣ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ፡ ነዚ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሕሙማት ኬዘራርቡኒ እንተ ደልዮም፡ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ንሕማምን ንመከራን ብምጥፋእ፡ c ዝዀነ ይኹን ሰብ “ሕሙም እየ” d ዘይብለላ ዓለም ንምምጻእ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽነግሮም እኽእል እየ።