ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

መብራህቲ ሓዊለይቶ

መብራህቲ ሓዊለይቶ

እቲ መብራህቲ ዜመንጭው ኣካል ሓዊለይቶ፡ ቅርፍቲ ብዚመስል እተደራረበ ነገር እተሸፈነ እዩ፣ እዚ ኣካል እዚ፡ ነቲ እቲ ሓሸራ ዜብርሆ መብራህቲ፡ ብዝያዳ ኸም ዚደምቕ እዩ ዚገብሮ። a

እተደራረበ ቕርፍቲ

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ተመራመርቲ፡ እቲ መብራህቲ ኣብ ዜመንጭው ኣካል ሓዊለይቶ ዚርከብ ንኣሽቱ ቕርፍቲ፡ ልክዕ ከም ቀጸላ ወይ ቈርበት ዓሳ እተደራረበ ምዃኑ ኣስተብሂሎም እዮም። እቲ ቕርፍቲ ኣብ ሓደ ሸነኹ ብ3 ማይክሮሜተር፡ ማለት ካብ ርጕዲ ጸጕሪ ሰብ ብዕስራ ዕጽፊ ብዚንእስ መጠን ቅንዕ ኪብል ከሎ፡ ካብቲ ቕንዕ ከይበለ ዜብርሆ መብራህቲ ዳርጋ ብ50 ሚእታዊት ብዝያዳ ደሚቑ ይበርህ።

ነዚ መስርሕ እዚ ተጠቒምካ፡ ነቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዚግጠም መብራህቲ ዜመንጭው ዳዮድ ብዝያዳ ኸም ዜብርህ ክትገብሮ ይከኣልዶ፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነቲ ዳዮድ፡ ኣብ ኣካል ሓዊለይቶ ንዘሎ ቕርፍቲ ብዚመስል መገዲ ገይሮም ደራሪቦም ሰርሕዎ። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ እቲ መብራህቲ ዜመንጭው ዳዮድ ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ኽሳዕ 55 ሚእታዊት ዚበጽሕ ዝያዳ መብራህቲ ኣብርሀ። ተመራማሪ ፊዚክስ ዝዀነ ኣኒክ በይ፡ “ኣገዳሲ መዳይ እቲ ዝገበርናዮ ፈተነ፡ ንተፈጥሮ ብጥንቃቐ ብምዕዛብ፡ ብዙሕ ክንመሃር ከም እንኽእል ዜርኢ ምዃኑ እዩ” በለ።

እንታይ ይመስለካ፧ መብራህቲ ሓዊለይቶ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

a ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንዅሉ ጃንዳ እዚ ሓዊለይቶ እዚ ገና ኣየጽንዕዎን።