ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ኬቲዲድ ዘለዋ ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት

ኬቲዲድ ዘለዋ ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት

እታ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ኬቲዲድ እትብሃል ዓይነት ዕንጭራር፡ ካብ ሓደ ሚሊ ሜተር ዚንእስ ኣእዛን እዩ ዘለዋ፣ ይኹን እምበር፡ ዕዮ ኣእዛና ምስ እዝኒ ሰብ ተመሳሳሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብ ርሑቕ ቦታ፡ እተፈላለየ ዓይነት ድምጺ ኸተለሊ ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ ንድምጺ ኻልእ ኬቲዲድ፡ ካብቲ ሓንቲ እትሃድን ዘላ መንካዕ እተስምዖ ፍሉይ ድምጺ ኽትፈልዮ ትኽእል እያ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣእዛን ኬቲዲድ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ መሓውራ እየን ዚርከባ። ልክዕ ከም እዝኒ ሰብ ድማ፡ ድምጺ ይእክባን ነቲ ድምጺ ይቕይራኦን ይትርጕማኦን እየን። ኰይኑ ግና፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ውሽጢ እዝኒ እዛ ሓሸራ እዚኣ፡ ፍሉይ ኣካል ረኺቦም እዮም፣ ንሱ ኸኣ ሸሊሕ ባላንቺና (ፍሕኛ) ዚመስል ብፈሳሲ ዝመልአ ጓንጓ እዩ። እዚ ኣኩስቲክ ቨሲክል ዚብሃል ኣካል፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣእዛን መጥበውቲ ዚርከብ ኮክልያ ዚብሃል ክፍሊ እዝኒ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ፣ ኰይኑ ግና፡ ካብ ናይ መጥበውቲ ኮክልያ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ። ኬቲዲድ ኣዝዩ ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት ኪህልዋ ዝኸኣለ፡ ሳላ እቲ ኣኩስቲክ ቨሲክል እዩ።

ኣብቲ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ባዮሎጅያዊ ስነ ፍልጠት ብሪስቶል ዚሰርሕ ፕሮፌሰር ዳንኤል ሮበርት ከም ዝገለጾ፡ እዚ ርኽበት እዚ ንመሃንድሳት፡ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዝነኣሰን ንጹር ድምጺ ዜመሓላልፍን መስምዒ ንኺሰርሑ” ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ እቲ ርኽበት ንተክኖሎጂ ኣልትራሳውንድ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ሆስፒታላት ንመርመራ ዚሕግዝ ናውቲ ዜማዕብል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ኬቲዲድ ዘለዋ ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧