ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 3 2020 | ካብ ፈቃር ኣምላኽ ዚርከብ ዘለኣለማዊ በረኸት

እንታይ ተስፋታት ከም ዘሎን ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእልን ብኸመይ ካብኡ ኽትጥቀም ከም እትኽእልን ርአ።

ካብ ፈቃር ኣምላኽ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ውግእን ዓመጻን ባእስን ሕማምን ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትምነዶ፧ እዚ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ ኣምላኽ ዘተስፈዎ እዩ።

እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይሓልየልና

ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንስድራ ቤቱ ዝሓሊ ፈቃር ኣቦ እዩ። ብኸመይ፧

ፈጣሪ ንፍቕራዊ ተስፋታቱ ዚገልጸሉ መገዲ

ኣምላኽ መልእኽቱ ኺጽሕፉ ንነብያት እተጠቕመሎም ብኸመይ እዩ፧

እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ተቐዪሩ ድዩ፧

ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ኢድና ዚርከብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚረኸቡ ርአ።

ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ነብያቱ ንምሃር

እዞም ሰለስተ እሙናት ነብያት ካብ ኣምላኽ ብኸመይ በረኸት ክንረክብ ከም እንኽእል ክንምሃር ይሕግዙና።

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ጸሊ

ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዓናን ኪባርኸናን ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ንኽእል፧

ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ ብኸመይ በረኸት ከም እንረክብ ክልተ መዳይ ንርአ።

ንብጻይና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ

ንኻልኦት ምፍቃር ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን፡ ግናኸ ይክኣል እዩ።

ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ንሰባት ንምሕጋዝ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ከም እንረክብ ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧

በረኸት ፈጣሪና ንዘለኣለም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ ምስ ተፈጸመ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኸመይ ኪምስል እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ፧

ኣብ ህይወት ብዛዕባ ዜጋጥም ጸገማትን ብዛዕባ ኣምላኽን ንዚልዓል ሕቶታት፡ መልሲ ርኸብ።