ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ

4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።”ገላትያ 5:22, 23

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ዓንኬል ጽልኢ ኺስበር ይከኣል እዩ። እቲ ቕዱስ መንፈሱ ብርእስና ኸነጥርዮ ዘይንኽእል ባህርያት ክንፈሪ የኽእለና እዩ። ስለዚ፡ ንጽልኢ ብናትና ብርታዐ ኸነሰንፎ ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሓገዝ እንተ ተወከልና ይሓይሽ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪስምዓና ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:13) እወ፡ ሽዑ፡ “ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ . . . እዩ ዚመጽእ” ክንብል ኢና።—መዝሙር 121:2

ክትገብሮ እትኽእል፦

“የሆዋ ንዓይ ካብ ዓመጸኛ ሰብ ናብ ሰላማዊ ሰብ ቀይሩኒ እዩ።”—ዎልዶ

ናብ የሆዋ ጸሊ፣ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ እውን ልባዊ ልማኖ ኣቕርበሉ። (ሉቃስ 11:13) ኣብ ህይወትካ ኣምላኻዊ ባህርያት ምእንቲ ኽትፈሪ ሓገዙ ለምን። ብዛዕባ ኸም እኒ ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ርእሰ ግትኣት ዝኣመሰለ፡ ጽልኢ ንምውጋድ ዚሕግዝ ባህርያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ኣጽንዕ። ነዚ ባህርያት እዚ ኣብ ህይወትካ እተማዕብለሉ መገድታት ኣናዲ። ምስቶም ነዚ ባህርያት እዚ ኼማዕብሉ ዚጽዕሩ ሰባት ከኣ ተዓራረኽ። እዞም ሰባት እዚኦም ከኣ፡ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ኬለዓዕሉኻ’ እዮም።—እብራውያን 10:24፣ እግረ ጽሑፍ።