ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

4 | ተስፋኻ ሓሉ

4 | ተስፋኻ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህውከት ዜጨንቕ ብምዃኑ፡ ንሰባት ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ይጐድኦም እዩ። ብዙሓት እተጐድኡ ሰባት ተስፋ ዚብሃል ኣይረኣዮምን እዩ። እሞኸ እንታይ ይገብሩ፧

  • ገሊኦም ብዛዕባ መጻኢ ኺሓስቡ ኣይደልዩን እዮም።

  • ካልኦት ከኣ ካብ ጭንቀቶም ንምህዳም፡ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ ይጥቀሙ እዮም።

  • ሒደት ከኣ ካብ ምንባር ሞት ይመርጹ። “ምንባር እንታይ ይዓብሰለይ፧” ኢሎም እውን ይሓትቱ እዮም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ገሊኡ ዜጋጥመካ ጸገም ግዜያውን ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኼምጽኣልካ ይኽእልን እዩ።

  • ዋላ እኳ እቲ ዅነታትካ እንተ ዘይተቐየረ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንጸገማት ደቂ ሰብ ንሓዋሩ ፍታሕ ኪኸውን ዚኽእል ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ እዩ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”—ማቴዎስ 6:34

ብዛዕባ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ሕሰብ። ብዛዕባ ጽባሕ ብምጭናቕ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓላፍነታትካ ኻብ ምፍጻም ኣይዕገትካ።

ብዛዕባ ኼጋጥም ዚኽእል ኣሉታዊ ነገራት ምሕሳብ ንጭንቀትካ ኼጋድዶ፡ ንመጻኢ ዘሎካ ዝሓሸ ተስፋ ድማ ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ

ሓደ ጥንታዊ ዘማሪ ናብ ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸልዩ ነይሩ። “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።” (መዝሙር 119:105) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚዀነ መርምር።

ኣብ ጸልማት ለይቲ፡ መብራህቲ ናበይ ከም እንኸይድ ክንውስን ይሕግዘና እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ውሳነታት ክንገብር ኪመርሓና ዚኽእል ግብራዊ ጥበብ ዝሓዘ እዩ።

ብርሃን ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ኽንርኢ ይሕግዘና እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ሒዙልና ዘሎ ነገራት ክንርኢ የብርሃልና እዩ።