ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መገዲ ሓጐስ

ዕላማ ዘለዎ ህይወት

ዕላማ ዘለዎ ህይወት

ደቂ ሰብ ብብዙሕ መገዲ ፍሉያት ኢና፣ ንጽሕፍ፡ ንቐብእ፡ ንምህዝ፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ዓበይቲ ሕቶታት እውን ንሓስብ ኢና፦ ዩኒቨርስ ስለምንታይ እዩ ተፈጢሩ፧ ንሕና ኸመይ ኢልና ኢና ተፈጢርና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ እንታይ ኢና ኽንከውን፧

ገሊኦም ሰባት ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኺረኽቡሉ ዘይክእሉ ስለ ዚመስሎም፡ ኣይሓስቡሉን እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ህይወት ብፍልቀት ከም ዝመጸ ገይሮም ስለ ዚኣምኑ፡ እዚ ሕቶታት ትርጉም ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። ዊልያም ፕሮቫይን ዝስሙ ፕሮፌሰር ታሪኽን ስነ ህይወትን፡ “ኣማልኽቲ የለዉን፣ ዕላማ እውን የልቦን” ኢሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንስነ ምግባር ዚኸውን መሰረት የሎን፣ ህይወት እውን መሰረታዊ ትርጉም የብሉን” ኢሉ እዩ።

ገሊኦም ሰባት ግና ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣይቅበልዎን እዮም። ዩኒቨርስ ብልክዕን ብውቁብን ሕግታት ኪመሓደር ከሎ ይዕዘቡ እዮም። በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ መስተንክር ንድፊ ይድነቑ እዮም። እተሓላለኸ ንድፊ ድማ ብኣስተውዓሊ ነዳፊ ኸም እተነድፈ፡ ካብ መዓልታዊ ተመክሮኦም ኬስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ንገሊኦም ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት ኣብ መትከሎም ዳግመ ግምት ኪገብሩ ደሪኽዎም እዩ። ነዞም ዚስዕቡ ኽልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኒሮሰርጅን ዶ/ር ኣለክሴ ማርኖቭ። ኣለክሴ፡ “እቲ እተምሃርኩሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣምላኽ ከም ዘየልቦን ብፍልቀት ከም ዝመጻእናን ይምህር ነይሩ። ብኣምላኽ ዚኣምን ሰብ ከም ደንቈሮ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ” ይብል። ብ1990 ግና፡ ኣረኣእያኡ ኪቕይር ጀመረ።

ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ንዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ ንሓንጐል ወዲ ሰብ ክርድኦ እየ ዝፍትን። እዚ ዜደንቕ ኣካል ሰብነት እዚ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘሎ ዅሉ ኣዝዩ እተሓላለኸ ነገር ኪብሃል ይከኣል እዩ። ሓንጐል ግና ፍልጠትን ክእለትን ከጥሪ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኪመውት ጥራይ ድዩ ተነዲፉ፧ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ከንቱን ዘይውሓጠልካን እዩ። ስለዚ፡ ‘ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧ ዕላማ ህይወትከ እንታይ እዩ፧’ ኢለ ኽሓስብ ጀሚረ። ኣብቲ ጕዳይ ብዙሕ ድሕሪ ምስትንታን ድማ ፈጣሪ ኺህሉ ኣለዎ ኢለ ደምዲመ።”

እቲ ኣለክሴ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ኪፈልጥ ዝነበሮ ድሌት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምር ደረኾ። ጸኒሓ፡ እታ ሓኪም ዝሞያኣ፡ ብህልውና ኣምላኽ ዘይትኣምን ብዓልቲ ቤቱ፡ ይጋገ ኸም ዘሎ ኸተእምኖ ኢላ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ሕጂ ግና ክልቲኦም ብኣምላኽ ይኣምኑ እዮም፣ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እውን ተረዲእዎም እዩ።

ተመራማሪት ስነ ፍልጠት ፕላዝማ ዶ/ር ሁዋቢ ኢን። ሁዋቢ ኢን ፊዚክስ እያ ኣጽኒዓ፣ ንነዊሕ ዓመታት ከኣ ብዛዕባ ፕላዝማ እያ ተመራሚራ። ራብዓይ ኵነት ነገር (ስቴት ኦቭ ማተር) ጌርካ ዚውሰድ ፕላዝማ (ንኣብነት፡ ኣብ ጸሓይ ዚርከብ) ኤለክትሮናትን ፓዘቲቭ ኣዮንን ዝሓዘ እዩ።

ሁዋቢ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ብኸመይ ከም ዝኣመነት ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንሕና ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ተፈጥሮኣዊ ኽስተት ከነጽንዕ ከለና፡ ወትሩ ብልክዕ ሕግታት ዚምራሕ ልዑል ስርዓት ኢና እንረክብ። ስለዚ፡ ‘እዚ ሕግታት እዚ ኻበይ መጺኡ፧ እቲ ምግቢ እነብስለሉ ንእሽቶ ሓዊ እኳ ብጥንቃቐ ኺትሓዝ ካብ ኣድለየ፡ ነቲ ንጸሓይ ዚቈጻጸራ ሕጊ ደኣ መን እዩ ዜውጽኦ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ‘ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ’ ዚብል ሓሳብ፡ ቅኑዕ መልሲ ምዃኑ ተገንዚበ።”—ዘፍጥረት 1:1

ስነ ፍልጠት “ብኸመይ” ንዚብል ሕቶታት፡ ንኣብነት፡ ‘ዋህዮታት ሓንጐል ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧ ጸሓይ ብኸመይ እያ ሙቐትን ብርሃንን ተመንጩ፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሲ ኽንረክብ ሓጊዙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣለክሴን ሁዋቢን እተገንዘብዎ፡ “ስለምንታይ” ንዚብል ኣገዳሲ ሕቶታት፡ ንኣብነት፡ ‘ዩኒቨርስ ስለምንታይ ተፈጢሩ፧ ስለምታይ እዩ ብሕግታት ዚምራሕ፧ ንሕናኸ ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሲ ዚህብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድሪ፡ ‘ኣምላኽ ንምድሪ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ኣይፈጠራን’ ይብል። (ኢሳይያስ 45:18) እወ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝዓለሞ ዕላማ ኣለዎ፣ እዚ ዕላማ እዚ ድማ፡ ምስቲ ዚመጽእ ተስፋና ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።