ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እታ ኣብ ኢሳይያስ 60:1 “ተንስኢ፡ ብርሂ” ተባሂላ ዘላ መን እያ፧ ብኸመይከ እያ ኸምኡ እትገብር፧

ኢሳይያስ 60:1፡ “ብርሃንኪ መጺኡ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። ክብሪ የሆዋ ኣባኺ በሪሁ እዩ” ትብል። እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት፡ ንጽዮን ወይ ነታ ሽዑ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ ዝነበረት የሩሳሌም ይዛረባ ምንባሩ ይሕብር። (ኢሳ. 60:14፣ 62:1, 2) እታ ኸተማ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ እትውክል እያ ነይራ። እዚ ቓላት ኢሳይያስ እዚ፡ ክልተ ሕቶ የበግስ እዩ፦ ቀዳማይ፡ የሩሳሌም መዓስን ብኸመይን እያ ‘ዝተንስአትን’ መንፈሳዊ ብርሃና ዘብርሀትን፧ ካልኣይ፡ ቃላት ኢሳይያስ ኣብዚ ግዜና ዝዓበየ ፍጻመ ኣለዎዶ፧

የሩሳሌም መዓስን ብኸመይን እያ ‘ዝተንስአትን’ መንፈሳዊ ብርሃና ዘብርሀትን፧ ኣይሁድ ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ባቢሎን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ዑናታት እየን ኰይነን ነይረን። ባቢሎን ብሜዶናውያንን ብፋርሳውያንን ምስ ተሳዕረት ግና፡ ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ኪምለሱን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ኺመልሱን ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። (እዝ. 1:1-4) ካብ 537 ቅ.ክ. ንደሓር ከኣ፡ እሙናት ተረፍ እቶም 12 ነገዳት ከምኡ ገበሩ። (ኢሳ. 60:4) ንየሆዋ መስዋእቲ ኺስውኡሉ፡ በዓላት ኬብዕሉ፡ ነታ ቤተ መቕደስ እውን ዳግም ኪሃንጽዋ ጀመሩ። (እዝ. 3:1-4, 7-11፣ 6:16-22) ክብሪ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብቶም ህዝቡ በርሀ። ንሳቶም ከኣ ብተራኦም ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዝነበሩ ኣህዛብ ብርሃን ኣብርሁሎም።

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት ኢሳይያስ ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ብኸፊል ጥራይ እዩ ተፈጺሙ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ እስራኤላውያን ንኣምላኽ እዙዛት ኰይኖም ኣይቀጸሉን። (ነህ. 13:27፣ ሚል. 1:6-8፣ 2:13, 14፣ ማቴ. 15:7-9) ጸኒሖም፡ ነቲ መሲሕ ኰይኑ ዝመጸ የሱስ ክርስቶስ እኳ ኣይተቐበልዎን። (ማቴ. 27:1, 2) ብ70 ድ.ክ. ከኣ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ንኻልኣይ ግዜ ጠፍኣ።

የሆዋ ነዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ ተነብይዎ ነይሩ እዩ። (ዳን. 9:24-27) ስለዚ፡ ምድራዊት የሩሳሌም ንዅሉ መዳያት እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 እተመዝገበ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት ክትፍጽሞ ዕላማኡ ኣይነበረን ኪብሃል ይከኣል እዩ።

ቃላት ኢሳይያስ ኣብዚ ግዜና ዝዓበየ ፍጻመ ኣለዎዶ፧ እወ ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ኣብታ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” እትብሃል ካልእ ምሳልያዊት ሰበይቲ እዩ ፍጻመኡ ዚረክብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኣ፡ “ንሳ . . . ኣዴና እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ገላ. 4:26) ናይ ላዕሊ የሩሳሌም በቶም እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊት ክፋል ውድብ ኣምላኽ እያ። የሱስን እቶም ከም ጳውሎስ ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም 144,000 ዝቝጽሮም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናትን ከኣ ደቃ እዮም። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ድማ “ቅዱስ ህዝቢ” ወይ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” የቝሙ።—1 ጴጥ. 2:9፣ ገላ. 6:16

እሞ ደኣ እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ብኸመይ እያ ‘ዝተንስአትን ዘብርሀትን’፧ በቶም ምድራውያን ቅቡኣት ደቃ ኣቢላ እያ ኸምኡ ገይራ። ተመክሮታቶም ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዚርከብ ትንቢት እስከ ነነጻጽሮ።

ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ንደሓር በቲ ብትንቢት እተነግረሉ ናይ ክሕደት ክርዳድ ተዓብሊሎም ብምንባሮም፡ ‘ኪትንስኡ’ ነይርዎም። (ማቴ. 13:37-43) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ትሕቲ ምርኮ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን እዮም ነይሮም። ክሳዕ እቲ ብ1914 ዝጀመረ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከኣ ኣብ ምርኮ እዮም ጸኒሖም። (ማቴ. 13:39, 40) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ማለት ብ1919 ግና፡ ሓራ ወጹ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ እውን መንፈሳዊ ብርሃን ኬብርሁ ጀመሩ። a ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ሰባት ካብ ኵሎም ኣህዛብ ናብቲ ብርሃን መጹ። ገለ ኻባታቶም ከኣ ተረፍ እቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል እዮም ነይሮም፣ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ኢሳይያስ 60:3 “ነገስታት” ተባሂሎም ኣለዉ።—ራእ. 5:9, 10

ኣብ መጻኢ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ብዝዓበየ መገዲ መለኮታዊ ብርሃን ኬንጸባርቑ እዮም። ብኸመይ፧ ምድራዊ ህይወቶም ምስ ወድኡ፡ ክፍሊ እታ “ሓዳስ የሩሳሌም” እተባህለት በቶም 144,000 ነገስታትን ካህናትን ዝቘመት መርዓት ክርስቶስ ኪዀኑ እዮም።—ራእ. 14:1፣ 21:1, 2, 24፣ 22:3-5

ሓዳስ የሩሳሌም ኣብ ፍጻመ ኢሳይያስ 60:1 ኣገዳሲ ግደ ኽትጻወት እያ። (ኢሳይያስ 60:1, 1, 3, 5, 11, 19, 20 ምስ ራእይ 21:2, 9-11, 22-26 ኣረኣኢ።) ከምቲ ምድራዊት የሩሳሌም ማእከል መንግስቲ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት፡ ሓዳስ የሩሳሌም ምስ ክርስቶስ ኰይና ኸኣ መንግስቲ እቲ ሓድሽ ስርዓት ክትከውን እያ። እሞ ደኣ ብኸመይ እያ እታ ሓዳስ የሩሳሌም ‘ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ እትወርድ’፧ ቈላሕታኣ ናብ ምድሪ ብምግባር እያ ኸምኡ እትገብር። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት “ብብርሃና ኺመላለሱ” እዮም። ካብ ሓጢኣትን ሞትን እውን ሓራ ኺወጹ እዮም። (ራእ. 21:3, 4, 24) ሽዑ፡ ከምቲ ኢሳይያስን ካልኦት ነብያትን እተነበይዎ፡ እቲ “ምምላስ ኵሉ” እተባህለ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ። (ግብ. 3:21) እቲ ዓብዪ ምምላስ እቲ፡ ክርስቶስ ምስ ነገሰ እዩ ጀሚሩ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ከኣ ኪዛዘም እዩ።

a እቲ ብ1919 እተፈጸመ መንፈሳዊ ምምላስ፡ ኣብ ህዝቅኤል 37:1-14ን ራእይ 11:7-12ን እውን ተገሊጹ ኣሎ። ህዝቅኤል፡ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ንነዊሕ ግዜ ኣብ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሖም ብመንፈሳዊ መዳይ ናብ ዝነበርዎ ኸም ዚምለሱ እዩ ተነብዩ። እቲ ኣብ ራእይ ዚርከብ ትንቢት ከኣ፡ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ሒደት ቅቡኣት ኣሕዋት ንሓጺር እዋን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ንጥፈታቶም ድሕሪ ሙማቱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዳግም ከም ዚውለዱ እዩ ዚሕብር። ንሳቶም ድማ ብ1919 “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዀይኖም ተሸሙ።—ማቴ. 24:45ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ገጽ 118 ርአ።