ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤሪክን ኤሚን

ፈትዮም ይመጹ—ጋና

ፈትዮም ይመጹ—ጋና

ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ዜገልግል ሓው ወይ ሓብቲ ትፈልጥዶ፧ እሞኸ፡ ‘ናብ ካልእ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ብኸመይ እዮም ዚዳለዉ፧ ኣነኸ ኸምኡ ኺገብር ምኸኣልኩዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትረኽበሉ እትኽእል ዝሓሸ መገዲ፡ ካብ ኣፍ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ምስማዕ እዩ። ሃየ እምበኣር ንሕተቶም።

እንታይ ደሪኽዎም፧

ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ወጻኢ ሃገር ኬድካ ኸተገልግል እንታይ ደሪኹካ፧ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኤሚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እያ እትነብር ነይራ። ንሳ፡ “ናብ ካልእ ሃገር ከይደ ብዛዕባ ምግልጋል ንብዙሕ ዓመታት እየ ሓሲበሉ። ግናኸ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ” ትብል። እሞ ደኣ ኣረኣእያኣ ብኸመይ ተቐዪሩ፧ ነዚ ኽትምልስ ከላ፡ “ኣብ በሊዝ ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ብ2004 ንሓደ ወርሒ ምሳታቶም ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ዓዲሞምኒ። ከይደ ምስ ፈተንክዎ ድማ፡ ፈትየዮ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ናብ ጋና ግዒዘ” ትብል።

ኣሮንን ስተፋኒን

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ዝነበረት ሕጂ ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ስተፋኒ፡ ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ንዅነታታ መርመረት እሞ፡ ‘ጽቡቕ ጥዕና ኣሎኒ ሓላፍነት ስድራ ቤት እውን የብለይን። ንየሆዋ፡ ካብቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ብዝያዳ ኽገብረሉ እኽእል እየ’ ኢላ ሓሰበት። ንዅነታታ ምምርማራ ድማ ናብ ጋና ኸይዳ ኣገልግሎታ ኸተስፍሕ ደረኻ። ኣብ ደንማርክ ዚነብሩ ዝነበሩ ፊሊፕን ኣይዳን ዚብሃሉ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዚርከቡ ፈለምቲ ሰብ ሓዳር፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኽሊ ኸይዶም ኬገልግሉ ወትሩ ይምነዩ ነበሩ። ትምኒቶም ጋህዲ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ እተፈላላየ መገድታት የናድዩ ነበሩ። ፊሊፕ፡ “እቲ ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተ፡ የሆዋ ‘በሉ ኺዱ’ ኸም ዝበለና ኢና ቘጺርናዮ” ይብል። ብ2008 ፊሊፕን ኣይዳን ናብ ጋና ገዓዙ፣ ኣብኡ ድማ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣገልገሉ።

ብሩክን ሃንዝን

ሃንዝን ብሩክን ዚብሃሉ ኣብ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ፈለምቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ የገልግሉ ኣለዉ። ብ2005 ድሕሪ ህቦብላ ካትሪና ኣብ እተገብረ ዕዮ ረድኤት ሓጊዞም ነይሮም እዮም። ጸኒሖም ኣብ ኣህጉራዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ኪሕግዙ እኳ እንተ ኣመልከቱ፡ ኣይተጸውዑን። ሃንዝ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘጋጠሞም ኬዘንቱ ኸሎ፡ “ኣብ ሓደ ኣኼባ ዞባ፡ ንጉስ ዳዊት ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ ከም ዘይተፈቕደሉ ምስ ፈለጠ፡ ነዚ ተቐቢሉ ኻልእ ሸቶ ኸም ዘውጽአ ዚገልጽ መደረ ሰሚዕና። ነቲ ነጥቢ እቲ ምስማዕና፡ ንሕና እውን ቲኦክራስያዊ ሸቶታትና ኽንቅይር ከም እንኽእል ተረዲኡና” ይብል። (1 ዜና 17:1-4, 11, 12፣ 22:5-11) ብሩክ ድማ፡ “የሆዋ ኣብ ካልእ ኣፍ ደገ ኽንኵሕኵሕ እዩ ደልዩና ነይሩ” ትብል።

ሃንዝን ብሩክን ነቲ እቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዜገልግሉ ፈተውቶም ዝነገርዎም ዜሐጕስ ተመክሮታት ምስ ሰምዑ፡ ናብ ካልእ ሃገር ከይዶም ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ተደረኹ። ብ2012 ናብ ጋና ኸይዶም ቋንቋ ምልክት ኣብ ዚግበረላ ጉባኤ እናሓገዙ፡ ንኣርባዕተ ወርሒ ጸንሑ። ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺምለሱ እኳ እንተ ነበሮም፡ እቲ ኣብ ጋና ብምግልጋል ዝረኸብዎ ተመክሮ ኣብ ህይወቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድሙ ሓጊዝዎም እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ማይክሮነዥያ ኣብ እተገብረ ፕሮጀክት ህንጸት ጨንፈር ሓጊዞም እዮም።

ሸቶኦም ንምውቃዕ እንታይ ስጕምትታት ወሲዶም፧

ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድካ ንምግልጋል ብኸመይ ተዳሊኻ፧ ስተፋኒ፡ “ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድካ ብዛዕባ ምግልጋል ኣብ ዝወጸ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ምርምር ገይረ። * ንሽማግለታት ጉባኤን ንገያሺ ሓላውን ንብዓልቲ ቤቱን እውን ናብ ካልእ ሃገር ከይደ ኸገልግል ከም ዝደሊ ነጊረዮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ሸቶታተይ ንየሆዋ ብጸሎት ደጋጊመ እነግሮ ነይረ እየ” ትብል። ኣብ ካልእ ሃገር ርእሳ ኽኢላ ምእንቲ ኸተገልግል ድማ፡ ቀሊል ናብራ ብምንባር ገንዘብ ተዋህልል ነይራ እያ።

ሃንዝ፡ “ናብቲ ንሱ ዚደልዮ ቦታ ኺመርሓና፡ ንየሆዋ ብጸሎት ሓቲትናዮ። ነታ ኽንነቕለላ ዝሓሰብናያ ዕለት እውን ኣብ ጸሎትና ጠቒስናያ” ይብል። እዞም ሰብ ሓዳር፡ ናብ ኣርባዕተ ኣብያተ ጨንፈር ጽሕፈት ደብዳበ ሰደዱ። ኣብ ጋና ኻብ ዚርከብ ጨንፈር ጽቡቕ ምላሽ ምስ ረኸቡ፡ ንኽልተ ወርሒ ናብ ጋና ኸዱ። ሃንዝ፡ “ምስታ ጉባኤ ምዕያይ ኣዝዩ ስለ ዘሐጐሰና፡ ዝያዳ ኽንጸንሕ ወሲንና” ይብል።

ኣድርያን ጆርጅን

ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ጆርጅን ኣድርያን ዚብሃሉ ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሰብ ሓዳር፡ የሆዋ ጽቡቕ ንዚሕልኑ ዘይኰነስ፡ ምስኡ እውን ጽቡቕ ውሳነ ንዚገብሩ ኸም ዚባርኽ ስለ እተረድኦም፡ ሸቶኦም ንምውቃዕ ብቘራጽነት ስጕምትታት ወሲዶም እዮም። ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩላ ጋና ኸይዳ እተገልግል ንዝነበረት ሓንቲ ሓብቲ ብዙሕ ሕቶታት ሓተትዋ። ኣብ ካናዳን ኣብ ጋናን ናብ ዚርከብ ጨናፍር እውን ጸሓፉ። ኣድርያ፡ “ናብራና ዝያዳ ንምቕላል ከኣ እተፈላለየ መገድታት ኣናዲና” ትብል። በዚ ኸምዚ፡ ድማ ብ2004 ናብ ጋና ገዓዙ።

ንጸገማት ብኸመይ ተዋጺእካሉ፧

ናብ ካልእ ሃገር ምስ ከድካ፡ እንታይ ጸገማት ኣጋጢሙካ፧ ነዚኸ ብኸመይ ተዋጺእካሉ፧ ንኤሚ ኣብ ፈለማ ናፍቖት እዩ ኣጸጊምዋ ነይሩ። ንሳ፡ “ኵሉ ነገር ካብቲ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ” ትብል። እሞ ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣባላት ስድራ ቤተይ፡ ነቲ ዝገብሮ ዘለኹ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜድንቕዎ እናደወሉ ይነግሩኒ ስለ ዝነበሩ፡ ናብዚ መምጽእየይ ከም ዝዝክር ገይሩኒ እዩ። ጸኒሕና ድማ ምስ ስድራ ቤተይ ብቪድዮ ኸነዕልል ጀሚርና። ገጾም ይርኢ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፡ ርሑቕ ከም ዘለዉ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ” ትብል። ኤሚ ምስ ሓንቲ ተመክሮ ዘለዋ ጓል እቲ ዓዲ ዝዀነት ሓብቲ ምምሕዛዋ፡ ብዛዕባ እተፈላለየ ባህልታት ዝያዳ ኽትፈልጥ ከም ዝሓገዛ እውን ትዛረብ እያ። ነዚ ብዚምልከት ክትገልጽ ከላ፡ “ሓገዝ እንተ ኣድልዩኒ፡ ወይ ሰባት ስምዒቶም ዚገልጹሉ መገዲ እንተ ዘይተረዲኡኒ፡ ቀልጢፈ ንዓኣ እየ ዝሓትታ። ሳላ ሓገዛ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘሎንን እንታይ ክገብር ከም ዘይብለይን ተማሂረ እየ። እዚ እውን ኣገልግሎተይ ብሓጐስ ክፍጽም ሓጊዙኒ እዩ” ትብል።

ጆርጅን ኣድርያን ናብ ጋና ምስ ከዱ፡ ኣብ ፈለማ ናብ ዘመን እንእኒ እተመለሱ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎም። ኣድርያ፡ “ኣብ ክንዲ ብሓጻቢት ማሽን፡ ኣብ ሰንኬሎ ኢና እንሓጽብ ኔርና። እቲ ምግቢ ንምድላው እነጥፍኦ ግዜ ኸኣ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዛይዱ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ግና፡ እቲ ኣጸጋሚ ዚመስል ዝነበረ ዅነታት ከም ሓድሽ ተመክሮ ዀይኑልና እዩ” ትብል። ብሩክ ድማ፡ “ፈለምቲ ዘበልና ኣጸጋሚ ዅነታት ዜጋጥመና እኳ እንተ ዀነ፡ ዜዕግብ ህይወት ኣሎና። እቲ ዜጋጥመና ዚሃንጽ ተመክሮታት፡ ብዙሕ ጽቡቕ ተዘክሮታት እዩ ዚሓድገልና” ትብል።

ዚኽሕስ ኣገልግሎት

ካልኦት ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ኺሳተፉ እተተባብዖም ስለምንታይ ኢኻ፧ ስተፋኒ፡ “ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ካብ ዘለዎም ባህጊ እተላዕለ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኼጽንዑ ዚደልዩ ሰባት ኣብ ዘለዉሉ ኽሊ ምግልጋል ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ። እቲ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ንምግልጋል ዝገበርክዎ ውሳነ፡ ሓደ ኻብቲ ዝገበርክዎ ጽቡቕ ውሳነታት እዩ” ትብል። ብ2014 ስተፋኒ ኣሮን ንዚብሃል ሓው ተመርዓወት፣ ኣብ ጋና ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ የገልግሉ ኣለዉ።

ኣብ ጀርመን እትነብር ዝነበረት ክሪስቲን እትብሃል ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ፈላሚት፡ ናብ ጋና ቕድሚ ምኻዳ ኣብ ቦሊቭያ ተገልግል ነበረት። ንሳ ድማ ብዛዕባ ኣገልግሎታ ኽትዛረብ ከላ፡ “ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ካብ ስድራ ቤተይ ርሒቐ ስለ ዝነብር፡ ሓገዝ ንምርካብ ወትሩ እየ ናብ የሆዋ ዝጽጋዕ። እዚ ድማ ንየሆዋ ብዝያዳ ጋህዲ ገይሩለይ። ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ሓድነት እውን ብዓይነይ ርእየዮ እየ። እዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ንህይወተይ ኣበልጺግዋ እዩ” ትብል። ክሪስቲን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ጊዴዎን ተመርዓወት፣ ብሓባር ድማ ኣብ ጋና የገልግሉ ኣለዉ።

ክሪስቲንን ጊዴዎንን

ፊሊፕን ኣይዳን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝመርሑሎም ሰባት ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎም ኪገልጹ ኸለዉ፡ “15 ወይ ዝያዳ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነይሮምና። ንነፍሲ ወከፎም ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንምህሮም ግና፡ ን10 ጥራይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ወሲንና” ይብሉ። እሞኸ እቶም ተምሃሮ ተጠቒሞምዶ፧ ፊሊፕ ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንሓደ ማይክል ዚብሃል መንእሰይ መጽናዕቲ እገብረሉ ነይረ። ጽቡቕ ምድላው ገይሩ መዓልቲ መዓልቲ የጽንዕ ስለ ዝነበረ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኢና ወዲእናያ። ድሕሪኡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ። ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ዝኸደላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኸኣ፡ ‘መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕዶ ኽትሕግዘኒ’ ኢሉኒ። ኣነ ድማ ተገሪመ ጠሚተዮ። ንሱ ኸኣ ምስ ሰለስተ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ከም ዝጀመረ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ምምራሕ ግና ሓገዝ ከም ዜድልዮ ነጊሩኒ” ይብል። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ይዀኑ ኣለዉ!

ኣይዳን ፊሊፕን

ኤሚ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ዓየይቲ ኸም ዜድልዩ ቐልጢፋ ኸም ዘስተብሃለት ክትገልጽ ከላ፡ “ናብ ጋና ኻብ ዝግዕዝ ብዙሕ ከይጸናሕኩ፡ ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቝሸት ኬድና ጽሙማን ክንደሊ ጀሚርና። ኣብታ ቝሸት እቲኣ ጥራይ ድማ ሓደ ዘይኰነስ ሸሞንተ ጽሙማን ረኺብና” ትብል። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ኤሚ ንሓደ ኤሪክ ዚብሃል ሓው ተመርዓወት፣ ክልቲኦም ድማ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ንገለ ኻብቶም ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ልዕሊ 300 ጽሙማን ኣስፋሕትን ተገደስትን ንምሕጋዝ ከኣ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት የገልግሉ ኣለዉ። ጆርጅን ኣድርያን ኣብ ጋና ምግልጋሎም፡ ሚስዮናውያን ንምዃን እንታይ ከም ዜድሊ ንምፍላጥ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብ መበል 126 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪካፈሉ ምስ ተጸውዑ፡ ከመይ ከም እተሓጐሱ እሞ ገምቶ! ሎሚ ኣብ ሞዛምቢክ ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ብፍቕሪ እተደረኹ

ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ብዙሓት ኣሕዋት ምስቶም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ብትግሃት ኪዓይዩ ምርኣይ፡ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ። (ዮሃ. 4:35) ኣብ ጋና ብገምጋም ኣብ ሰሰሙን 120 ሰባት ይጥመቑ እዮም። ልክዕ ከምቶም ናብ ጋና ዝገዓዙ 17 ኣሕዋት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወንጌላውያን፡ ንየሆዋ ብዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ‘ፈትዮም ይመጹ’ ኣለዉ። ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ከኣ የገልግሉ ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ብፍታው ዚዓይዩ ዓየይቲ ንልቢ የሆዋ ኸመይ ከም ዜሐጕስዎ እሞ ሕሰብ!—መዝ. 110:3፣ ምሳ. 27:11

^ ሕ.ጽ. 9 ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያን ናይ 15 ታሕሳስን 2009 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ፡ “ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧” “ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ፧” ዘርእስተን ዓንቀጻት ርአ።