‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ኣመሰራርታ እታ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናዊት ጉባኤን ብዛዕባ እቲ ንሳ ምሳና ዘለዋ ምትእስሳርን ትገልጽ።

ካርታታት

ነታ ሎሚ ብዙሕ ግዜ ቕድስቲ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገርን ንሚስዮናዊ ጕዕዞታት ጳውሎስን ዜርኢ ካርታታት።

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ኣጸቢቕና ኽንምስክር ከለና፡’ ኣምላኽ ከም ዚድግፈና እንተኣማመን ስለምንታይ ኢና፧

ምዕራፍ 1

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዚስበኽ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

ምዕራፍ 2

“መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”

የሱስ ንሃዋርያቱ ኣብ ዕዮ ስብከት ግንባር ቀደም ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ ብኸመይ እዩ ኣዳልይዎም፧

ምዕራፍ 3

“ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምምስራት ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ግደ ተጻዊቱ፧

ምዕራፍ 4

“ዘይተማህሩ ተራ ሰባት”

ሃዋርያት ብትብዓት ስጕምቲ ወሰዱ፡ የሆዋ ኸኣ ባረኾም።

ምዕራፍ 5

“ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ”

ሃዋርያት ኣብ መትከሎም ጸንዑ፡ እዚ ድማ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ኰነ።

ምዕራፍ 6

እስጢፋኖስ “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ”

ካብቲ እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ብትብዓት ዝሃቦ ምስክርነት እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

ምዕራፍ 7

“ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”

ፊልጶስ ከም ወንጌላዊ መጠን ዝሓደጎ ኣብነት።

ምዕራፍ 8

እታ ጉባኤ “ሰላም ረኺባ ተሃንጸት”

እቲ ሕሱም ሰጓጒ ዝነበረ ሳውል፡ ቀናእ ኣገልጋሊ ዀነ።

ምዕራፍ 9

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ተራእየ

ዕዮ ስብከት ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ተኸፍተሎም።

ምዕራፍ 10

“ቃል የሆዋ ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ”

ጴጥሮስ ካብ ሞት ደሓነ፡ መስጐጕቲ ድማ ንዝርጋሐ እቲ ብስራት ኣይዓገቶን።

ምዕራፍ 11

“ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ”

ጳውሎስ፡ ተጻረርትን ዘይሰምዑ ሰባትን ምስ ኣጋጠምዎ ዝገበሮ ነገር።

ምዕራፍ 12

“ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”

ጳውሎስን በርናባስን ዘርኣይዎ ትሕትናን ጽንዓትን ተዓጻጻፍነትን።

ምዕራፍ 13

“ብዙሕ ፍልልይን ክትዕን ምስ ኰነ”

ጕዳይ ግዝረት ኣብ ቅድሚ ኣመሓዳሪ ኣካል ቀረበ።

ምዕራፍ 14

“ብሓደ ወሲንና ኣለና”

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ከም ዝወሰነን እዚ ኣብተን ጉባኤታት ዝፈጠሮ ሓድነትን ፍለጥ።

ምዕራፍ 15

“ነተን ጉባኤታት እናኣበራትዐ”

ገየሽቲ ኣገልገልቲ፡ ጉባኤታት ኣብ እምነት ምእንቲ ኺጸንዓ ይሕግዙ።

ምዕራፍ 16

“ናብ መቄዶንያ ሕለፍ”

እተመደበልካ ዕዮ ምቕባልን ንዚወርደካ መስጐጕቲ ብሓጐስ ምስጋርን፡ በረኸት የምጽእ።

ምዕራፍ 17

“ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ”

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄን ቤርያን ዝረኸቦም ኣይሁድ ኣጸቢቑ መስከረሎም።

ምዕራፍ 18

“ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ”

ጳውሎስ ሓባራዊ ባይታ ስለ ዘንበረ፡ ንስብከት እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ተኸፊቱሉ፧

ምዕራፍ 19

“ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል”

ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሮ ንጥፈታት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንምስክር ዚሕግዘና እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

ምዕራፍ 20

ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ፡ ቃል የሆዋ “እናዓበየን እናሰዓረን ከደ”

ብዛዕባ እቲ ኣጵሎስን ጳውሎስን ነቲ እናሰዓረ ዚኸይድ ብስራት ዝገበርዎ ኣበርክቶ ፍለጥ።

ምዕራፍ 21

“ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ . . . መስክሩ”

ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ቅንኣት ነበሮ፣ ንሽማግለታት እውን ምኽሪ ሃቦም።

ምዕራፍ 22

“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”

ጳውሎስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ቈሪጹ ናብ የሩሳሌም ከደ።

ምዕራፍ 23

“ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቝጡዕ ህዝብን ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላን ምእንቲ ሓቂ ተማጐተ።

ምዕራፍ 24

“ኣጆኻ!”

ጳውሎስ ካብቲ ኪቐትልዎ ኢሎም ዝኣለምዎ ውዲት ኣምለጠ፡ ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ እቲ ሹም ከኣ ብዛዕባ ርእሱ ተማጐተ።

ምዕራፍ 25

“ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!”

ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ብስራት ብምምጓት ዝመጸ ኣብነት ሓደገ።

ምዕራፍ 26

“ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”

ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ተሰብረት፡ ዓባይ እምነትን ንሰባት ዘላቶ ፍቕርን ድማ ኣርኣየ።

ምዕራፍ 27

“ኣጸቢቑ እናመስከረ”

ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣስረ፡ ስብከቱ እውን ቀጸለ

ምዕራፍ 28

“ክሳብ ወሰናት ምድሪ”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ ዝጀመርዎ ዕዮ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

መሐበሪ ስእሊ

ዝርዝር እቲ ኣብዛ መጽሓፍ ዚርከብ ስእልታት።