ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ

መእተዊ

‘ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምሰልዎም።’—እብራውያን 6:12

1, 2. ሓደ ገያሺ ሓላዊ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ እሙናት ሰባት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም ነይሩ፧ እዞም ሰባት እዚኦም ባህ ዜብሉ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ዚኽእሉኸ ስለምንታይ እዮም፧

“ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ ባህርያት፡ ንነዊሕ እዋን ከም ዚፈልጦም ኣዕሩኹ ገይሩ እዩ ዚዛረብ።” እዚ ሓሳባት እዚ፡ ሓንቲ ክርስትያን፡ መደረ ሓደ ብዕደመ ዝደፍአ ገያሺ ሓላዊ ምስ ሰምዐት እተዛረበቶ እዩ። ሓቃ ድማ እያ። እቲ ሓው ንቓል ኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ስለ ዘጽንዖን ስለ ዝመሃረሉን፡ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኸም ዝፈልጦም ኣዕሩኹ ገይሩ እዩ ዚርእዮም።

2 እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሰባት ኣዕሩኽና እንተ ዚዀኑስ፡ ባህ ኣይምበለናንዶ፧ እሞኸ፡ ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧ ምሳታቶም ክትከይድን ክትዛረብን፡ ከም ኖህን ኣብርሃምን ሩትን ኤልያስን ኣስቴርን ንዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ ግዜ ወሲድካ ኽትላለዮምሲ እንታይ ስምዒት ኪፈጥረልካ ኸም ዚኽእል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። በቲ ዚህብዎ ምኽርን ምትብባዕን ኣብ ህይወትካ እንታይ ጽልዋ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ሕሰብ።—ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።

3. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ክንምሃርን ካባታቶም ክንጥቀምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 “ንጻድቃን . . . ትንሳኤ ኪኸውን” ከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ባህ ዜብል ርክብ ኪህሉ እዩ። (ግብ. 24:15) ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ክንምሃርን ካባታቶም ክንጥቀምን ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምሰልዎም’ ብምባል ይምልሳ። (እብ. 6:12) ብዛዕባ እቶም ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ከነጽንዕ ከለና፡ ነቲ ቓላት ጳውሎስ ዜበግሰልና ነዚ ዚስዕብ ሒደት ሕቶታት ንመርምር፦ እምነት እንታይ እያ፧ ንምንታይከ ተድልየና፧ ኣስኣሰር እምነት እቶም ቀደም ዝነበሩ ሰባት ክንስዕብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

እምነት እንታይ እያ፧ ንምንታይከ ተድልየና፧

4. ሰባት ብዛዕባ እምነት እንታይ እዮም ዚሓስቡ፧ እተጋገዩኸ ስለምንታይ እዮም፧

4 እምነት ኵሎም እቶም ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እነጽንዖም ሰብኡትን ኣንስትን ኣኽቢሮም ዝረኣይዋ ብልጽቲ ባህርይ እያ። ሎሚ ሓያሎ ሰባት ናይ ሓቂ እምነት እንታይ ማለት ምዃና ኣይፈልጡን እዮም። ብዘይ ጭቡጥ መርትዖ፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ምእማን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ ተጋግዮም እዮም። እምነት ከምኡ ኣይኰነትን። ስምዒት ጥራይ እውን ኣይኰነትን። ብዓይኒ ዕሙተይ ምእማን ሓደገኛ እዩ። ስምዒት ድማ ተለዋዋጢ እዩ። ብኣምላኽ ምእማን ጥራይ እውን እኹል ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ “ኣጋንንቲ እውን ይኣምኑን የንቀጥቅጡን እዮም።”—ያእ. 2:19

5, 6. (ሀ) እምነትና ኣብ ምንታይ ክልተ ዘይርአ ነገራት እያ እተተኵር፧ (ለ) እምነትና ኸመይ ዝበለ ጽኑዕ መሰረት እዩ ኺህልዋ ዘለዎ፧ ኣብነት ሃብ።

5 ናይ ሓቂ እምነት ካብቲ ሓያሎ ሰባት ዚህብዎ ርእይቶ ኣዝያ እተፈልየት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነት ብኸመይ ከም ዚገልጻ ንዘክር። (እብራውያን 11:1 ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ እምነት ኣብ ክልተ ኽንርእዮ ዘይንኽእል ነገራት ዘተኰረት ምዃና ገሊጹ ኣሎ። ቀዳማይ፡ ኣብቲ “ዘይርአ” ግናኸ ግሁድ ዝዀነ ነገር እያ እተተኵር። ብዓይንና ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ግሁድ ነገራት ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱን ነታ ሕጂ ኣብ ሰማይ እትገዝእ ዘላ መንግስቱን ክንርእዮም ኣይንኽእልን ኢና። ካልኣይ፡ እምነት ኣብቲ ገና ዘይተፈጸመ “ተስፋ ዚግበሮ” ነገር እያ እተተኵር። ንኣብነት፡ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ እተምጽኣ ሓዳስ ዓለም፡ ሕጂ ብዓይንና ኽንርእያ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እታ ኣብቲ ግሁድን ተስፋ ዚግበሮን ነገራት ዘላትና እምነት መሰረት ዘይብላ እያ ማለት ድዩ፧

6 ኣይኰነን! ጳውሎስ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ጽኑዕ መሰረት እተሰረተት ምዃና ገሊጹ እዩ። እምነት “ርግጽ ትጽቢት” ከም ዝዀነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሰነድ ዋንነት” ተባሂላ ኽትትርጐም እትኽእል ቃል እዩ ተጠቒሙ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ ቤት ኪህበካ ሓሲቡ ንበል። ነቲ “ሰነድ ዋንነት” እታ ቤት ኣብ ኢድካ ብምሃብ፡ “እንካ ሓዳስ ቤትካ ተረከብ” ይብለካ ይኸውን። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ኣብታ ወረቐት ከም እትነብር ኣይኰነን ዚነግረካ ዘሎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ሰነድ ሕጋዊ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሰነድ እቲ ምርካብካ ነታ ቤት ከም ዝረኸብካያ ዜረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ ኸም ዘሎካ እዩ ዚነግረካ ዘሎ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እምነትና ዘሎ መርትዖ ኣዝዩ ዜእምን ብምዃኑ፡ እምነት ንባዕላ ከም መርትዖ ኽትሕሰብ ትኽእል እያ።

7. ናይ ሓቂ እምነት እንታይ ተጠቓልል፧

7 ስለዚ፡ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ሕሉፍ ተመኵሮ ተመርኲስካ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ድልዱል እምንቶ ምሕዳር ተጠቓልል። እምነት ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦና ጌርና ኽንርእዮ፡ እቲ ዘተስፈዎ ዅሉ ተስፋታት ከኣ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ክንተኣማመን ትድርኸና። ግናኸ፡ ናይ ሓቂ እምነት ካልእ ነገር እውን ተጠቓልል እያ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ህያው ፍጥረት ምእንቲ ኺነብር ኪምገብ ዜድልዮ፡ እምነት እውን ህያው ኰይና ምእንቲ ኽትነብር ብግብሪ ኽትግለጽ ኣለዋ፡ እንተ ዘይኰይኑ ግና ትመውት እያ።—ያእ. 2:26

8. እምነት ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

8 እምነት ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ጳውሎስ ዜእምን መልሲ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 11:6 ኣንብብ።) እምነት እንተ ዘይብልና፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ዀነ ኸነሐጕሶ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ነቲ ምስትውዓል ዘለዎ ፍጡር ኪፍጽሞ ዚግባእ ኣገዳሲ ዕላማ ምእንቲ ኽንፍጽሞ፡ ማለት ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ምእንቲ ኽንቀርቦን ክንውድሶን እምነት ከነጥሪ ኣሎና።

9. የሆዋ፡ እምነት ከም እተድልየና ኸም ዚፈልጥ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ፡ እምነት ኣዝያ ኸም እተድልየና ስለ ዚፈልጥ፡ ብኸመይ እምነት ከነጥርን ከነርእን ከም እንኽእል ዚምህሩና ኣብነታት ሂቡና ኣሎ። ንክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኣብነት ዝዀኑን ዚመርሑን እሙናት ሰብኡት ብምሃብ ባሪኽዋ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ” ይብል። (እብ. 13:7) ተወሳኺ ውህበት እውን ሂቡና እዩ። ጳውሎስ፡ ነቶም ብእምነት ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዝዀኑ ጥንቲ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ኣመልኪቱ፡ “ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና” ኸም ዘለና ጸሓፈ። (እብ. 12:1) ብጀካ እቶም ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ዝጠቐሶም እሙናት ሰባት፡ ካልኦት ብዙሓት እውን ነይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝነበሮም ብእምነት እተመላለሱ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ናእሽቱን ዓበይትን ዚገልጽ ናይ ሓቂ ዛንታታት ሒዙ ኣሎ። ካብዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብዚ እምነት ጠፊኡሉ ዘሎ እዋን ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ብዙሕ ንምሃር ኢና።

ኣስኣሰር እምነት ካልኦት ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10. ናይ ብሕቲ መጽናዕትና ኣስኣሰር እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክንስዕብ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ንሓደ ሰብ ብጥንቃቐ እንተ ዘይተዓዚብካዮ፡ ኣስኣሰሩ ኽትስዕብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነዛ መጽሓፍ ከተንብባ ኸለኻ፡ ነዞም ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ክትዕዘቦም ኪሕግዘካ ዚኽእል ብዙሕ መጽናዕቲ እተገብረሉ ነጥብታት ክትረክብ ኢኻ። ንስኻ እውን ተወሳኺ ምርምር ብምግባር ብዛዕባኦም ከተጽንዕ ነተባብዓካ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ በቲ ዘሎካ ናውቲ ምርምር ተጠቒምካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መርምር። ብዛዕባ እቲ ዘጽናዕካዮ ኸተስተንትን ከለኻ፡ እቲ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈጸመሉ ግዜን ቦታን ድሕረ ባይታን ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ትርኢት ርኣዮ፡ ነቲ ድምጺ ስምዓዮ፡ ነቲ ሽታ ኣሽትቶ። ብዝያዳ ኸኣ፡ ንስምዒታት እቶም ሰባት ከተስተውዕሎ ጽዓር። ንርእስኻ ኣብ ቦታ እቶም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ተእትዋ እንተ ዄንካ፡ ዝያዳ ህያው ኪዀኑልካን ብዝያዳ ኽትፈልጦምን ኢኻ። አረ ገሊኦምሲ ኻብ ቀደም ኣትሒዝካ ኸም እትፈልጦም ኣዕሩኽ ኪዀኑልካ እዮም።

11, 12. (ሀ) ንኣብራምን ሳራይን ከም ዝቐረብካዮም ኰይኑ ኺስምዓካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ሃናን ኤልያስን ሳሙኤልን ዝገደፍዎ ኣብነት ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

11 ጽቡቕ ጌርካ ምስ ፈለጥካዮም ከኣ፡ ኣስኣሰሮም ክትስዕብ ክትድረኽ ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትሓስብ ኣለኻ ንበል። ውድብ የሆዋ ብገለ መገዲ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ዕድመ ተቕርበልካ። ምናልባት ዝያዳ ሰበኽቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኽሊ ኼድካ ኸተገልግል ሕቶ ይቐርበልካ ይኸውን። ወይ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ዘይተጠቐምካሉ ወይ ዘይትፈትዎ መዳይ ስብከት ክትፍትን ትሕተት ትኸውን። ብዛዕባኡ ኽትሓስብን ክትጽልን ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብራም ዝሓደጎ ኣብነት ምስትንታን ኪሕግዘካ ኣይክእልንዶ፧ ኣብራምን ሳራይን ነቲ ኣብ ኡር ዝነበሮም ምሾት ሓዲጎም ኪወጹ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም፣ ተባሪኾም ድማ እዮም። ኣስኣሰሮም ክትስዕብ ከለኻ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸም እትፈልጦም ኰይኑ ኸም ዚስምዓካ ፍሉጥ እዩ።

12 ሓደ እትቐርቦ ሰብ እንተ ዜስተናዕቐካ እሞ እንተ ትጕሂ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ካብ ጉባኤ ኽትተርፍ እንተ ትሓስብከ፧ ብዛዕባ እቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት ብምስትንታን ነቲ ኻብ ጵኒና ዝበጽሓ ዝነበረ ግፍዒ ብኸመይ ከም እተዋጽኣትሉ እንተ ሓሲብካሉ፡ ቅኑዕ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሽዑ ሃና ኸም ሓንቲ ኽብርቲ ፈታዊት ክትኰነልካ እያ። ብዘይካዚ፡ ዘይትረብሕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ብዛዕባ እቲ ተስፋ ቘሪጹ ዝነበረ ኤልያስን የሆዋ ብኸመይ ከም ዘጸናንዖን ከተጽንዕ ከለኻ ንኤልያስ ዝቐረብካዮ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። መንእሰያት እውን ካብቶም ብስነ ምግባር እተበላሸዉ መማህርቶም ጸቕጢ ምስ ዚወርዶም፡ ብዛዕባ እቲ በቶም ኣብ ማሕደር ዜገልግሉ ዝነበሩ ብስነ ምግባር እተበላሸዉ ደቂ ኤሊ ዘይተጸልወ ሳሙኤል ኬጽንዑ ኸለዉ ንዕኡ ኸም ዝቐረብዎ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።

13. ኣስኣሰር እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ ባህርያት ምስዓብካ፡ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘይህልወካ ድዩ ዚገብር፧ ግለጽ።

13 ኣስኣሰር እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ ባህርያት ምስዓብካ፡ ኣምሰሉ ኸም እትኸውን ደኣ እምበር ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘይህልወካ ድዩ ዚገብር፧ ኣይፋሉን። ቃል የሆዋ ኣስኣሰር እምነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንስዕብ ከም ዜተባብዓና ኣይትረስዕ። (1 ቈረ. 4:16፣ 11:1፣ 2 ተሰ. 3:7, 9) ብዘይካዚ፡ ገለ ኻብቶም ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እነጽንዖም ሰባት፡ ንሳቶም እውን ኣስኣሰር እምነት እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰባት ዝሰዓቡ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራፍ 17 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ማርያም ኣብ ዘረባኣ ነቲ ሃና እተዛረበቶ ሓሳባት ምጥቃሳ፡ ንሃና ኣብነት ገይራ ኸም ዝረኣየታ ብንጹር ዜርኢ እዩ። እሞኸ፡ እዚ፡ እምነት ማርያም ድልድልቲ ኸም ዘይነበረት ዜርኢ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት ንማርያም፡ ድልድልቲ እምነት ብምህናጽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ሓጊዝዋ እዩ።

14, 15. እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ መዳያት እዩ ዘለዋ፧ ብኸመይከ ኢና ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመላ እንኽእል፧

14 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እምነትካ ኸተደልድል ንኽትሕግዘካ እያ ተዳልያ። እቲ ምዕራፋት ካብ ዓንቀጻት እቲ ኻብ 2008 ኽሳዕ 2013 ኣብ ዝነበረ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዘርእስቱ ዓምዲ እተወስደ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልእ ነገራት እውን ተወሲኽዎ እዩ። ነቲ ዛንታ ኽንመያየጠሉን ክንትግብሮን ዚሕግዘና ሕቶታት ተዳልዩ ኣሎ። ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ዘለዎ ሓያሎ ሕብራዊ ስእልታት ተወሲኹ ኣሎ፣ እቲ ቕድም ዝነበረ ስእልታት ከኣ ዓብዩን ተመሓይሹን ኣሎ። ካልእ እተወሰኸ ጠቓሚ መዳያት ከኣ፡ ሰሌዳ ግዜን ካርታታትን እዩ። እዛ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ዘርእስታ መጽሓፍ ብብሕትን ብስድራ ቤትን ብጉባኤን ክትጽናዕ እያ ተዳልያ። ብዘይካዚ፡ ሓያሎ ስድራ ቤታት ነቲ ዛንታታት ዓው ኢለን ኬንብባኦ ይኽእላ እየን።

15 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣስኣሰር እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኽትስዕብ ክትሕግዘካ ንምነ። ንሰማያዊ ኣቦኻ የሆዋ ብምቕራብ እምነትካ ኸተደልድል ክትሕግዘካ እውን ንምነየልካ።