ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

መጽሓፍ ቅዱሳት ኣራጊፍካ ተጠቐም—OS

መጽሓፍ ቅዱሳት ኣራጊፍካ ተጠቐም—OS

JW Library ብቐንዱ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉን ከተጽንዓሉን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።

መጽሓፍ ቅዱሳት ኣራጊፍካ ኽትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣራግፍ

ነቲ ኻብ ኢንተርነት ዘራገፍካዮ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኢንተርነት ከይወላዕካ ኸተንብቦን ከተጽንዖን ትኽእል ኢኻ።

  • ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible) እትብል ምልክት ጠውቃ።

  • እተፈላለየ መጽሓፍ ቅዱስ ከተራግፈሉ እትኽእል ቋንቋታት ንምርካብ ድማ፡ ነታ ምልክት ቋንቋታት ጠውቃ። ብዙሕ ሳዕ ብእትጥቀመሉ ቛንቋታት እተዳለወ ትርጉማት ኣብ ላዕሊ ተሰሪዑ ኺጸንሓካ እዩ። ስም እቲ ዝደለኻዮ ቛንቋ ወይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትጽሕፍ እውን፡ ኣብቲ ዝርዝር ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ “int” ኢልካ ጽሒፍካ ነቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ክትረክብ፡ ወይ ከኣ “port” ኢልካ ጽሒፍካ ነቲ ብፖርቱጋልኛ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ዛጊት ዘየራገፍካዮ መጽሓፍ ቅዱሳት ምልክት ደበና ኣለዎ። ነቲ ዝደለኻዮ መጽሓፍ ቅዱስ ጠዊቕካ ኸተራግፎ ትኽእል ኢኻ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተራገፈ፡ እቲ ምልክት ደበና ኺጠፍእ እዩ። ደጊምካ ምስ እትጥውቕ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ዝደለኻዮ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይረኺብካዮ፡ ጸኒሕካ ኻልእ ግዜ ፈትን። በብግዜኡ ተወሳኺ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ይኣቱ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ደምስስ

ዘይትደልዮ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዩ ወይ ከኣ መኸዘኒ ቦታ እንተ ጸቢቡካ፡ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክትድምስስ ትኽእል ኢኻ።

ዝርዝር መጽሓፍ ቅዱሳት ክትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible) እትብል ምልክት፡ ደሓር ከኣ ነታ ምልክት ቋንቋታት ጠውቃ። ነቲ ኽትድምስሶ ዝደለኻ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደሓር ከኣ ነታ ደምስስ (Delete) እትብል ምልክት ጠውቃ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘምን

እቲ ዘራገፍካዮ መጽሓፍ ቅዱስ በብግዜኡ ኣፕዴት ክትገብሮ ወይ ከተዘምኖ የድልየካ ይኸውን።

እቲ ኸተዘምኖ ዜድልየካ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምልክት ምሕዳስ ኣለዎ። ነቲ ሕታም ምስ ጠወቕካዮ፡ ከም ዝዘመነ ዚገልጽ መልእኽቲ ኽትርኢ ኢኻ። ነቲ ዝዘመነ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ፡ ነታ ኣራግፍ (Download) እትብል ምልክት ጠውቃ፡ ወይ ከኣ ነቲ ድሮ ዘሎካ ሕታም ከየሐደስካ ንምንባብ፡ ነታ ደሓር (Later) እትብል ምልክት ጠውቃ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ለካቲት 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.4 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ iOS 6.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ iOS ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—iOS” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።